ኣገልግሎት ቅዳሴ ኣብ ማርያም ደብረ ሲና 2025
ኣገልግሎት ቅዳሴ ኣብ ማርያም ደብረ ሲና
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን፡
ሎሚ ብኣቋጻጽራ ቤተክርስቲያን 02 ሰነ ኢዩ። በዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ዝንበብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፣ *ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 11፣1-16* ንሕና ድማ ኣብ ቤትና ኮይና ከነንብቦ፥ ኣንቢብና ክንባረኸሉ ጻዊዕት ናይ ቤተክርስቲያና ኢዩ።
ናይ ሎሚ ኣስተንትኖ ጥቕሲ
ማቴ፡ 11፣ 4-5
ኢየሱስ ከኣ በሎም *ኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትራይዎን ዘለኹም ንዮውሃንስ ንገረዎ። ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሑ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ፡ ድኻታታ ወንጌል ይብሰሩ ኣለዉ።*
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን፡
ሎሚ ብኣቋጻጽራ ቤተክርስቲያን 01 ሰነ ኢዩ። በዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ዝንበብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፣ *ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 24፣45-ፍጻሜ* ንሕና ድማ ኣብ ቤትና ኮይና ከነንብቦ፥ ኣንቢብና ክንባረኸሉ ጻዊዕት ናይ ቤተክርስቲያና ኢዩ።
ናይ ሎሚ ኣስተንትኖ ጥቕሲ
ማቴ 24፣46
እቲ ጎይትኡ ምስ መጸ ከምዚ ክገብር ዝረኸቦ ኣገልጋሊ ብጹእ ኢዩ።
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን፡
ሎሚ ብኣቋጻጽራ ቤተክርስቲያን 29 ግንቦት ኢዩ። በዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ዝንበብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፣ *ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕራፍ 8፣31-38* ንሕና ድማ ኣብ ቤትና ኮይና ከነንብቦ፥ ኣንቢብና ክንባረኸሉ ጻዊዕት ናይ ቤተክርስቲያና ኢዩ።
ናይ ሎሚ ኣስተንትኖ ጥቕሲ
ማር 8፣36
*ንሰብ ኩሉ ዓለም ረቢሑ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ*
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን፡
ሎሚ ብኣቋጻጽራ ቤተክርስቲያን 2 8ግንቦት ኢዩ። በዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ዝንበብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፣ *ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 12፣22-40* ንሕና ድማ ኣብ ቤትና ኮይና ከነንብቦ፥ ኣንቢብና ክንባረኸሉ ጻዊዕት ናይ ቤተክርስቲያና ኢዩ።
ናይ ሎሚ ኣስተንትኖ ጥቕሲ
ሉቃ 12፣24
ናብ ኳዃት እሞ ኣስተብህሉ፡ ኣምላኽ ይቕልቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ ኣይዓጽዱ፡ ማዕከን ወይ ቆፎ የብሎምን *ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩም ግዳ ኽንደይ ዘይትበልጹ* ።
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን፡
ሎሚ ብኣቋጻጽራ ቤተክርስቲያን 27 ግንቦት ኢዩ። በዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ዝንበብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፣ *ካብ ወንጌል ዮውሃንስ ምዕራፍ 10፣1-22* ንሕና ድማ ኣብ ቤትና ኮይና ከነንብቦ፥ ኣንቢብና ክንባረኸሉ ጻዊዕት ናይ ቤተክርስቲያና ኢዩ።
ናይ ሎሚ ኣስተንትኖ ጥቕሲ
ዮው 10;11
*ሕያዋይ ጓሳ ኣነ ኢየ፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳ፥ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ*
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን፡
ሎሚ ብኣቋጻጽራ ቤተክርስቲያን 25 ግንቦት ኢዩ። በዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ዝንበብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፣ *ካብ ወንጌል ዮውሃንስ ምዕራፍ 14፣1-13* ንሕና ድማ ኣብ ቤትና ኮይና ከነንብቦ፥ ኣንቢብና ክንባረኸሉ ጻዊዕት ናይ ቤተክርስቲያና ኢዩ።
ናይ ሎሚ ኣስተንትኖ ጥቕሲ
ዮው 14፣1
*ልብኹም ኣይሸበር፡ ብኣምላኽ እመኑ ብኣይ ውን እመኑ*
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን፡
ሎሚ ብኣቋጻጽራ ቤተክርስትያን 25 ግንቦት ኢዩ። በዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስትያና ዝንበብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፣ *ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕራፍ 15፣40-42* ንሕና ድማ ኣብ ቤትና ኮይና ከነንብቦ፥ ኣንቢብና ክንባረኸሉ ጻዊዕት ናይ ቤተክርስትያና ኢዩ።
ናይ ሎሚ ኣስተንትኖ ጥቕሲ
ማር 15፥41
ንሳተን ኣብ ገሊላ ከሎ ጀሚረን ዝሰዓበኦን ዘገልገለኦን ኢየን፡ መብዛሕትአን እተን ካልኦት ግና ምስኡ ናብ ኢዮርሳሌም ዝደየባ ኢየን።
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን፡
ሎሚ ብኣቋጻጽራ ቤተክርስቲያን 24 ግንቦት ኢዩ። በዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ዝንበብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፣ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 2፣13-16 ንሕና ድማ ኣብ ቤትና ኮይና ከነንብቦ፥ ኣንቢብና ክንባረኸሉ ጻዊዕት ናይ ቤተክርስቲያና ኢዩ።
ናይ ሎሚ ኣስተንትኖ ጥቕሲ
ማቴ፡ 2፣14
ዮሴፍ ድማ ፡ ተንሲኡ ነቲ ህጻንን ኣዲኡን ሒዙ ብለይቲ ናብ ግብጺ ሃደመ።
ሓዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብኣዋጅ ንኽጽወሙ ዝሓገገቶም 7 ኣጽዋማት ኣለዉ። ሓደ ካብዞም ኣጽዋማት ከኣ እዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ጾመ ሓዋርያት እዩ።
ጾመ ሓዋርያት፡ ‘ጾመ ሰነ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ’ዩ። ኣብ ማቴ. 9፡14-15 “ደቀ መዛሙርቲ ዮሓንስ ናብ ጐይታ ኢየሱስ መጺኦም “ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙኅ ንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ደኣ ስለምንታይ እዮም ዘይጾሙ፧”
ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ “መርዓዊ ምስኣቶም ከሎዶ ኣዕሩኽ መርዓዊ ኪጾሙን ኪኃዝኑን ይኽእሉ እዮም፧ ግናኸ መርዓዊ ካብኣቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፡ ሽዑ ኸኣ ኪጾሙ እዮም፡’በሎም” ዝብል ተጻሒፉ ከምዘሎ፡ ጐይታ ምስ ዓረገ ደቀ መዛሙርቱ ቅዱሳን ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ተቐበሎም ኃይሊ ረኺቦም፡ ቅድሚ ናብ ስብከተ ወንጌል ምውፋሮም ዝጾምዎ ጾም እዩ።
በዚ መሠረት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ነቦታትና ሓዋርያት ኣብነት ገይሩ ካብ ጽባሕ ሰንበት ጰራቅሊጦስ ክሳዕ በዓለ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ክጸውም ትእዝዝ እያ። ኣብ ፍትሐ ነገሥት’ውን (አንቀጽ 15) ‘ወውእቱ ይተሉ እምበዓለ ኃምሳ ወፋሲካሁ አመ ኃምሱ ለሐምለ በዓለ ጴጥሮስ ወጳውሎስ’ ከምዝብል እዩ። እዚ ጾም እዚ ብ”ኢያዐርግ፡ ኢይወርድ” ስለ ዝመላለስ ውሱን ጊዜ የብሉን። ሓሓደ ጊዜ ካብ ኣርብዓ መዓልቲ ይዛይድ፡ ሓሓደ ጊዜ’ውን ካብ ሠላሳ መዓልቲ ይውኅድ። ናይ ሎሚ ዓመት ዘመነ ማርቆስ 2018 ዓ.ም. ካብ ሰኑይ 24 ሰኔ ክሳዕ 5 ሓምሌ ይጽወም።
ስለዚ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን በዚ ቅዱስ ጾም’ዚ ነፍሱ ምእንቲ ክቕድስ ክጸውም ይግባእ።
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን፡
ሎሚ ብኣቋጻጽራ ቤተክርስቲያን 22 ግንቦት ኢዩ። በዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ዝንበብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፣ ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 10፣1-12 ንሕና ድማ ኣብ ቤትና ኮይና ከነንብቦ፥ ኣንቢብና ክንባረኸሉ ጻዊዕት ናይ ቤተክርስቲያና ኢዩ።
ናይ ሎሚ ኣስተንትኖ ጥቕሲ
ሉቃ 10፣5-6
ኣብ እትኣትዉዎ ቤት ቅድም፡ ነዛ ቤት እዚኣ ሰላም ይኹን በሉ። ኣብኡ ፈታዊ ሰላም እንተሎ ሰላምኩም ኣብኡ ክሓድር ኢዩ። እንተዘየሎ ግን ሰላምኩም ክምለሰኩም ኢዩ።
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን፡
ሎሚ ብኣቋጻጽራ ቤተክርስትያን 21 ግንቦት ኢዩ። በዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስትያና ዝንበብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፣ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 18፥6-19 ንሕና ድማ ኣብ ቤትና ኮይና ከነንብቦ፥ ኣንቢብና ክንባረኸሉ ጻዊዕት ናይ ቤተክርስትያና ኢዩ።
ናይ ሎሚ ኣስተንትኖ ጥቕሲ
ማቴ 18፣15
ሓዉኻ እንተ በደለካ፡ ኬድካ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ኬንካ ግንሓዮ፡ እንተ ስመዓካ ሓዉኻ ረባሕካ
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን፡
ሎሚ ብኣቋጻጽራ ቤተክርስቲያን 20 ግንቦት ኢዩ። በዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስትያና ዝንበብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፣ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 16፣24-28 ንሕና ድማ ኣብ ቤትና ኮይና ከነንብቦ፥ ኣንቢብና ክንባረኸሉ ጻዊዕት ናይ ቤተክርስቲያና ኢዩ።
ናይ ሎሚ ኣስተንትኖ ጥቕሲ
ማቴ 16፣27
ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቡኡ ምስ መልኣኽቱ ክመጽእ ኢዩ'ሞ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ኢዩ።
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን፡
ሎሚ ብኣቋጻጽራ ቤተክርስትያን 19 ግንቦት ኢዩ። በዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስትያና ዝንበብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፣ ካብ ወንጌል ሉቃድ ምዕራፍ 3፣10-18 ንሕና ድማ ኣብ ቤትና ኮይና ከነንብቦ፥ ኣንቢብና ክንባረኸሉ ጻዊዕት ናይ ቤተክርስትያና ኢዩ።
ናይ ሎሚ ኣስተንትኖ ጥቕሲ
ሉቃ 3፣11
ንሱ ከኣ ክልተ ክዳን ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ ይምቀሎ፡ ቀለብ ዘልዎ ድማ ከምኡ ይግበር ኢሉ መለሰሎም።
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን፡
ሎሚ ብኣቋጻጽራ ቤተክርስትያን 18 ግንቦት ኢዩ። በዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስትያና ዝንበብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፣ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 16፣23-ፍጻሜ ንሕና ድማ ኣብ ቤትና ኮይና ከነንብቦ፥ ኣንቢብና ክንባረኸሉ ጻዊዕት ናይ ቤተክርስትያና ኢዩ።
ናይ ሎሚ ኣስተንትኖ ጥቕሲ
ማቴ 16፥26
ንሰብከ ንኹሉ ዓለም ረቢሑ፡ ነብሱ በጃ እንተሕለፈ እንታይ ይጠቕሞ፡ ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ዘይምሃበ።
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን፡
ሎሚ ብኣቋጻጽራ ቤተክርስትያን 17 ግንቦት ኢዩ። በዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስትያና ዝንበብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፣ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 19፣11-28 ንሕና ድማ ኣብ ቤትና ኮይና ከነንብቦ፥ ኣንቢብና ክንባረኸሉ ጻዊዕት ናይ ቤተክርስትያና ኢዩ።
ናይ ሎሚ ኣስተንትኖ ጥቕሲ
ሉቃ 19፣17:
ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያ፡ ጽቡቕ ገበርካ። ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ።
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን፡
ሎሚ ብኣቋጻጽራ ቤተክርስትያን 15 ግንቦት ኢዩ። በዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስትያና ዝንበብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፣ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 10፣1-16 ንሕና ድማ ኣብ ቤትና ኮይና ከነንብቦ፥ ኣንቢብና ክንባረኸሉ ጻዊዕት ናይ ቤተክርስትያና ኢዩ።
ናይ ሎሚ ኣስተንትኖ ጥቕሲ
ማቴ 10፣1
ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ንርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽእዎምን ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ሃቦም።
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን፡
ሎሚ ብኣቋጻጽራ ቤተክርስቲያን 14 ግንቦት ኢዩ። በዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ዝንበብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፣ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 10፣7-16 ንሕና ድማ ኣብ ቤትና ኮይና ከነንብቦ፥ ኣንቢብና ክንባረኸሉ ጻዊዕት ናይ ቤተክርስቲያና ኢዩ።
ናይ ሎሚ ኣስተንትኖ ጥቕሲ
ማቴ 10፣7
ኬድኩም መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኢያ እናበልኩም ስበኹ።
"በዓለ ዕርገት ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ"
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ።
ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ድኅሪ ምትንሥኡ ንዕለቱ ናብ ሰማይ ኣይዓረገን። ብሥዕላዊ ኣገላልጽኡን ኣጸሓሕፋ ታሪኹን ዝልለ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ጐይታ ዝዓረገሉ ዕለት ቦታን ፍጻሜኡን ብንጹር ኣቐሚጡልና ኣሎ። ዕርገት ካብ ትንሣኤ ኣብ 40 መዓልቲ፥ ደብረ ዕርገቱ ድማ ቢታንያ ምዃኑን ብዛዕባ ፍጻሜኡ ድማ መላእኽትን ሰባትን እናረኣይዎ፥ ክብል ገሊጽዎ እዩ። ከምቲ ኣብ ጽሑፋት’ውን ብንጹር ዝተገልጸ ኣርብዓ መዓልቲ ንሓዋርያት ብሥጋ እናተገልጸን እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግሥተ እግዚአብሔር እናመሃሮም ጸንሐ። ኣብዘን መዓልትታት ድማ ንሓዋርያት ኣኪቡ ብዙኅ ምሥጢርን ሥርዓትን ሓዲሳዊት ቤተ ክርስቲያን መሃሮም፥ ብኣምሳል ብሉያዊ ሕጊ ድማ 40 መዓልቲ ነቲ ሕገ ሓዲስ ኪዳን ኣጽንዐ፥ ዝተመሃርዎ ኵሉ ክሕልዉን፡ ንዓለም ድማ ክምህሩን ወንጌሉ ክሰብኩን ትእዛዝን መምርሒን ሃቦም። ይኹን ደኣ እምበር ኃይሊ ዝኾኖም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዝልእኸሎምን ዝለብሱን ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑን ካብኡውን ከይወጹን ኣዚዝዎም ብምስጋና ዓረገ።
ዕርገቱ ድማ ኵሉ ዝመጸሉ ግብሪ ፈጺሙ ናይ ዓወት ዕርገት እዩ ነይሩ።
በዛ ቅድስት ዕለት ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሓዋርያት ክሳዕ ቢታንያ ወሲዱ ኢዱ ኣልዒሉ ባረኾም፡በዚ ሰዓት እዚ ካብ ማእከሎም ተፈልዩ ናብ ሰማይ ዓረገ (ግ.ሓዋ 1፡9-11, ሉቃ 24፡50-51) ።
ናይ ጐይታና ዕርገት ከም ናይ በዓል ነቢይ ኤልያስ ዕርገት ኣይነበረን። ንሳቶም ብኃይልን ሥልጣንን ናይ እግዚአብሔር እዩም ዝዓረጉ፡ ንሱ ግና ብናቱ፡ ብገዛእ ሥልጣኑ እዩ ዝዓረግ። ነዚ ኣመልኪቱ ልቢ አምላኽ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ፡-
“ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርነ ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ”
“አምላኽ ብዕልልታ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ፥ ዘምሩ ምስጋና ንአምላኽ ዘምሩ” (መዝሙር46/47፡5) ብምባል ስለ ዕርገት ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተነብዩ እዩ። እዚ ኸኣ አምላኻና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ንሱ እቲ ዝዓረገ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ፡ ናይ ባህሪ አምላኽ ከም ዝኾነ ብናይ ትንቢት መነጽር ገሊጹ እዩ።
ቅዱስ ጴጥሮስ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው አምላኽ ኢኻ” ክብል ዝመስከሮውን ነዚ እዩ ( ማቴ16፡15) ።
እንሆ ከምቲ ጸረ ተዋሕዶ ዝኾኑ ዝብልዎ፡ ክርስቶስ ፈጣሪ እምበር ፍጡር ኣይኮነን። ቅዱስ ዳዊት ከም ዝገለጾ፡ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እትኣምኖ'ውን ንሱ እዩ። እምበርከስ ንድኅነት ዓለም ክብል ሥጋና ዝለበሰ፡ባህርይና ገንዘቡ ዝገበረ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ አምላኽነቱ ዝጎደሎ ነገር የለን ብተዋሕዶ ደኣ ምስ ሥጋ ሓደ ባህርይ ሓደ ኣካል ኮነ። በዚ ኸኣ ኣብ ኣደባባያት ቀረናዮ ተሰቒሉ ፍጹም ድኅነት ሃበና።
ብዝተወሃሃዶ ሥጋ ከኣ ናብ ሰማይ ዓረገ። ቅዱሳን መላእኽቲ ከም ዝገለጽዎ፡ ነቢያት ከም ዝተነበይዎ፡ ባዕሉ ክርስቶስውን ከም ዝተዛረቦ፡ ከምቲ ክዓርግ ከሎ ብተዋሕዶ ዝዓረገ፡ ኣብ መጨረሽታ ውን ክፈርደና ብግርማ መለኮት ብክበበ ትስብእት ክመጽእ እዩ (ግ.ሓዋ 1፡9-11, መዝ 110፡1, ማቴ 24፡30, ማቴ 26፡64)።
ስለዚ ከመይ ዝዓይነቶም ሰባት ኮይና ኢና ክንጸንሕ ዝግብኣና፧ እምበኣር ዘመኑ ናይ ፈተና ዘመን፡ ፍትወተ ሥጋ ዝብርትዓሉ፡ ብዙኃት ሰባት ንኽብሪ ርእሶም ዝቖምሉ፡ ሰይጣን ብረቂቕ ሜላ ኣሲሩ ሰባት ካብ ሃይማኖትን ሠናይ ምግባርን ዝወጽሉ ዘለዉ ሰዓትን ጊዜን ስለ ዝኾነ ኣዚና ክንጥንቀቕ ይግባኣና እዩ። ሓዋርያት ክዓርግ ከሎ ዝረኣይዎ ወልደ አብ ወልደ ማርያም— ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መጨረሽታ ሰዓት ክመጽእ እዩ። እንተ ኾነ ከምቲ ክውለድ ከሎ ብትሕትና ዝመጾ ኣይኮነን። ንኃጥኣንን ንጻድቃን ዝፈላልየሉ፡ ሥርናይ ናብ ቆፍኡ ሓሰር ናብ ሓዊ ዘእትወሉ ጊዜ እዩ። (መዝ50፡2-6, ማቴ13፡24-43, ማቴ 25፡31-46)።
እምበኣር ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ምእንቲ ከይንሓፍር፡ ዕጫና ኣብቲ ናይ ዘልዓለማዊ ሞት ከይከውን ካብ ሕጂ መገድና ንተዓዘብ`ሞ ናብኡ ንቕረብ፥ ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ንረኸብ። እዚ ክንገብር አምላኽና እግዚኣብሔር ብጸግኡ ይሓግዘና አሜን።
ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ኵሎም ቅዱሳን ጸሎትን በረኸትን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን አሜን።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል
አሜን!
ኣገልግሎት ቅዳሴ ኣብ ማርያም ደብረ ሲና ሃርለም
ሰንበት ዕለት 31-05-2026
ሰንበት ዕለት 14-05-2026
ሰዓት ካብ 06፥00 ቅ.ቀ ክሳብ 12፥00
10 mei 2025 07:21
ኣገልግሎት ቅዳሴ ኣብ ማርያም ደብረ ሲና
10 mei 2025 07:18
7 mei 2025 19:17
ሰንበት፦ ዳግማይ ትንሣኤ ተባሂላ ትጽዋዕ። (ዮሓ ፳፥፳፬-፴) እዚ ኸኣ ታሪኹ ምስ ቶማስ ሓዋርያ ዝተተሓሓዘ እዩ። ከምቲ ኣብ ዕለተ ሠሉስ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ቶማስ ኣብታ ቀዳመይቲ ሰንበት ትንሣኤ ጐይታ ንሓዋርያት ክግለጽ ከሎ ስለዘይነበረ፤ ንትንሣኤ ጐይታ ብሰሚዕ ጥራይ ዘይኮነስ ዝረኣዮ ምእንቲ ክምስክር ደልዩ “ከይረኣኹ ኣይኣምንን” ብምባሉ ጐይታ ናይ ልቡ ፈሊጡ ኣብ ሰሙኑ ዳግማይ ንሱ ኣብ ዝተረኸበሉ ተገልጸሎም እሞ ንቶማስ ሓዋርያ “ኣጻብዕኻ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይ ርኤ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐነይ ኣእትዋ። ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ኢሉዎ። ንሱ’ውን ከምኡ ገበረ። ኣእዳዉ ግና እሳተ መለኮት ስለዝተንከፈ ቆሪየን ተሪፈን። ጐይታ ግና ምሒርዎ። ቶማስ ድማ መሊሱ “ጐይታይን ኣምላኸይን” ኢሉ በቲ ሓደ ኣምላኽነቱ በቲ ካልእ ድማ መሓርነቱን ጐይትነቱን መስከረ። ስለዚ እዚኣ መዓልቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ትንሣኤኡ ዘረጋገጸላን ምሥጢር ንሓዋርያት ዝገለጸላን ስለዝኾነት ዳግማይ ትንሣኤ ተባሂላ ትፍለጥ።
7 mei 2025 18:59
ንዓለም ኵሉ ፍስሓን ሓጐስን ዝኸውን ትንሣኤ ጐይታ፡ ነቢያተ እግዚአብሔር ኣቐዲሞም ትንቢት ዝተነበዪሉ፡ ምሳሌ መሲሎም ዝተዛረቡሉ እዩ። ብኣፍ ነቢያት ንዘዛረቦን ንዘመሰሎን ከኣ ባዕሉ ወልደ እግዚአብሔር ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ጊዜኡ ፈጸሞ። (መዝ ፸፯፥፷፮/78፥66 ሆሴ ፮፥፪/6፥2 ማቴ ፲፪፥፵/12፥40) ኣማን ብኣማን! ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ቃሉ ንሞትና ብሞቱ ደምሲሱ ካብ ምውታን ተፈልዩ በኵሪ ትንሣኤ ኮይኑ ብሥልጣኑ ተንሢኡ እዩ። ትንሣኤ፡ ወልደ እግዚአብሔር ፍጹም ሥጋና ተዋሒዱ ስለ ድኅነት ደቂ ሰባት ካብ ዝፈጸሞም ዓበይቲ ነገራት ሓደ ብምዃኑ፡ ካብቶም ዓበይቲን ቀንድን በዓላት ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ኣብ ቀዳማይ ዝሥራዕን ከምኡውን ሕመረት መሠረታዊ ትምህርትን ስብከት ክርስትናን እዩ። (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭/15) ምኽንያቱ ሞት ክርስቶስ ንዓለም ሕይወት፤ ሕማሙ (ስቓዩ) ከኣ ንዓለም ሰላም ምዃኑ ዝተረጋገጸ ድኅሪ ትንሣኤ ጐይታ ስለዝኾነ እዩ። ትንሣኤ እንተዘይህሉ ነይሩ እምነትና’ውን ከንቱ ምኾነ! ደቂ ሰባት ሞይቶም በስቢሶም ከምዘይተርፉ በቶም ምሳሌኡ ዝገበሮምን፡ ኣቐዲሞም ንሱ ብዝሃቦም ጸጋን ኃይልን ብብዓል ሄኖክን ኤልያስን ዝኣመስሉ ቅዱሳን ዝተራእየ እኳ እንተነበረ፤ ፍጻሜኡን ዳግም ሞት ዘይብሉን ትንሣኤ ግና ብጐይታ ዝተገብረ እዩ። እዚ ኸኣ ንደቂ ሰባት ድኅሪ እቲ ቀዳማይ ሞት (ዕረፍቲ)፡ ትንሣኤን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ዘብስርን ኣርጊጹ ዘፍልጥን ስለዝኾነ ክብሩ ክብ ዝብለ እዩ። ሓዋርያት’ውን ብዘይጥርጥር ብትብዓት ካብ ጐይታ ንዝተመሃርዎ ናብ ዓለም ከባጽሑ ዝኸኣሉ ትንሣኤኡ ስለዝረጋገጹ እዩ። (ሉቃ ፳፬፥፴፮/24፥36 ዮሐ ፳፥፲፱/20፥19)ትንሣኤ ዝብል ቃል ተንሥአ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝተረኽበ እዩ። ብሊቃውንቲ ኣተርጓግማ ብዙኅ ትርጉሙ ዝወሃቦ ይኹን ደኣ እምበር ብሓፈሻዊ ኣገላልጻን ትርጉሙን ከኣ ናይ ምውታን ምትንሣእ፤ ብሞት ተፈላልዮም ዝነበሩ ነፍስን ሥጋን ዳግም ምውሕሓድን ንፍርዲ ምትንሣእን ከምኡውን ናይ ጐይታ ምትንሣእን የመልክት። ትንሣኤ ዝብል ቃል ትንሣኤ ኅሊና (ተዝክሮተ እግዚአብሔር) ካብ ዝብል ቃል ክሳዕ ትንሣኤ ዘጉባኤ (ዳግማይ ምጽኣት ጐይታን ፍርድን) ንዘለዎ ስያመታት ትንሣኤ የጠቓልል። ብፍሉይ ግና ትንሣኤ ጐይታ ሞት ዝተሣዕረሉ፤ ናጽነት ደቂ ሰባት ዝተኣወጀሉ እዩ። በኵሪ ትንሣኤ ኮይኑ ንሞት ብኃይሉ ሥዒሩ ንዝኣምንዎ ዘበሉ ነዚ ሥልጣን ዝሃበ ከኣ ባዕሉ ሥግው ቃል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭፥፳/15፥20 ዮሐ ፲፥፲፰/10፥18)
7 mei 2025 18:51
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን!!!
7 mei 2025 18:47
ሆሳእና በኣርያም ሆሳእና በኣርያም ሆሳእና በኣርያም.