ዳግማይ ትንሣኤ

ሰንበት፦ ዳግማይ ትንሣኤ ተባሂላ ትጽዋዕ። (ዮሓ ፳፥፳፬-፴) እዚ ኸኣ ታሪኹ ምስ ቶማስ ሓዋርያ ዝተተሓሓዘ እዩ። ከምቲ ኣብ ዕለተ ሠሉስ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ቶማስ ኣብታ ቀዳመይቲ ሰንበት ትንሣኤ ጐይታ ንሓዋርያት ክግለጽ ከሎ ስለዘይነበረ፤ ንትንሣኤ ጐይታ ብሰሚዕ ጥራይ ዘይኮነስ ዝረኣዮ ምእንቲ ክምስክር ደልዩ “ከይረኣኹ ኣይኣምንን” ብምባሉ ጐይታ ናይ ልቡ ፈሊጡ ኣብ ሰሙኑ ዳግማይ ንሱ ኣብ ዝተረኸበሉ ተገልጸሎም እሞ ንቶማስ ሓዋርያ “ኣጻብዕኻ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይ ርኤ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐነይ ኣእትዋ። ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ኢሉዎ። ንሱ’ውን ከምኡ ገበረ። ኣእዳዉ ግና እሳተ መለኮት ስለዝተንከፈ ቆሪየን ተሪፈን። ጐይታ ግና ምሒርዎ። ቶማስ ድማ መሊሱ “ጐይታይን ኣምላኸይን” ኢሉ በቲ ሓደ ኣምላኽነቱ በቲ ካልእ ድማ መሓርነቱን ጐይትነቱን መስከረ። ስለዚ እዚኣ መዓልቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ትንሣኤኡ ዘረጋገጸላን ምሥጢር ንሓዋርያት ዝገለጸላን ስለዝኾነት ዳግማይ ትንሣኤ ተባሂላ ትፍለጥ።

Lees meer »

ሰብ ትንሣኤ ንኹን!

ንዓለም ኵሉ ፍስሓን ሓጐስን ዝኸውን ትንሣኤ ጐይታ፡ ነቢያተ እግዚአብሔር ኣቐዲሞም ትንቢት ዝተነበዪሉ፡ ምሳሌ መሲሎም ዝተዛረቡሉ እዩ። ብኣፍ ነቢያት ንዘዛረቦን ንዘመሰሎን ከኣ ባዕሉ ወልደ እግዚአብሔር ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ጊዜኡ ፈጸሞ። (መዝ ፸፯፥፷፮/78፥66 ሆሴ ፮፥፪/6፥2 ማቴ ፲፪፥፵/12፥40) ኣማን ብኣማን! ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ቃሉ ንሞትና ብሞቱ ደምሲሱ ካብ ምውታን ተፈልዩ በኵሪ ትንሣኤ ኮይኑ ብሥልጣኑ ተንሢኡ እዩ። ትንሣኤ፡ ወልደ እግዚአብሔር ፍጹም ሥጋና ተዋሒዱ ስለ ድኅነት ደቂ ሰባት ካብ ዝፈጸሞም ዓበይቲ ነገራት ሓደ ብምዃኑ፡ ካብቶም ዓበይቲን ቀንድን በዓላት ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ኣብ ቀዳማይ ዝሥራዕን ከምኡውን ሕመረት መሠረታዊ ትምህርትን ስብከት ክርስትናን እዩ። (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭/15) ምኽንያቱ ሞት ክርስቶስ ንዓለም ሕይወት፤ ሕማሙ (ስቓዩ) ከኣ ንዓለም ሰላም ምዃኑ ዝተረጋገጸ ድኅሪ ትንሣኤ ጐይታ ስለዝኾነ እዩ። ትንሣኤ እንተዘይህሉ ነይሩ እምነትና’ውን ከንቱ ምኾነ! ደቂ ሰባት ሞይቶም በስቢሶም ከምዘይተርፉ በቶም ምሳሌኡ ዝገበሮምን፡ ኣቐዲሞም ንሱ ብዝሃቦም ጸጋን ኃይልን ብብዓል ሄኖክን ኤልያስን ዝኣመስሉ ቅዱሳን ዝተራእየ እኳ እንተነበረ፤ ፍጻሜኡን ዳግም ሞት ዘይብሉን ትንሣኤ ግና ብጐይታ ዝተገብረ እዩ። እዚ ኸኣ ንደቂ ሰባት ድኅሪ እቲ ቀዳማይ ሞት (ዕረፍቲ)፡ ትንሣኤን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ዘብስርን ኣርጊጹ ዘፍልጥን ስለዝኾነ ክብሩ ክብ ዝብለ እዩ። ሓዋርያት’ውን ብዘይጥርጥር ብትብዓት ካብ ጐይታ ንዝተመሃርዎ ናብ ዓለም ከባጽሑ ዝኸኣሉ ትንሣኤኡ ስለዝረጋገጹ እዩ። (ሉቃ ፳፬፥፴፮/24፥36 ዮሐ ፳፥፲፱/20፥19)ትንሣኤ ዝብል ቃል ተንሥአ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝተረኽበ እዩ። ብሊቃውንቲ ኣተርጓግማ ብዙኅ ትርጉሙ ዝወሃቦ ይኹን ደኣ እምበር ብሓፈሻዊ ኣገላልጻን ትርጉሙን ከኣ ናይ ምውታን ምትንሣእ፤ ብሞት ተፈላልዮም ዝነበሩ ነፍስን ሥጋን ዳግም ምውሕሓድን ንፍርዲ ምትንሣእን ከምኡውን ናይ ጐይታ ምትንሣእን የመልክት። ትንሣኤ ዝብል ቃል ትንሣኤ ኅሊና (ተዝክሮተ እግዚአብሔር) ካብ ዝብል ቃል ክሳዕ ትንሣኤ ዘጉባኤ (ዳግማይ ምጽኣት ጐይታን ፍርድን) ንዘለዎ ስያመታት ትንሣኤ የጠቓልል። ብፍሉይ ግና ትንሣኤ ጐይታ ሞት ዝተሣዕረሉ፤ ናጽነት ደቂ ሰባት ዝተኣወጀሉ እዩ። በኵሪ ትንሣኤ ኮይኑ ንሞት ብኃይሉ ሥዒሩ ንዝኣምንዎ ዘበሉ ነዚ ሥልጣን ዝሃበ ከኣ ባዕሉ ሥግው ቃል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭፥፳/15፥20 ዮሐ ፲፥፲፰/10፥18)

Lees meer »