ሰንበት፦ ዳግማይ ትንሣኤ ተባሂላ ትጽዋዕ። (ዮሓ ፳፥፳፬-፴) እዚ ኸኣ ታሪኹ ምስ ቶማስ ሓዋርያ ዝተተሓሓዘ እዩ። ከምቲ ኣብ ዕለተ ሠሉስ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ቶማስ ኣብታ ቀዳመይቲ ሰንበት ትንሣኤ ጐይታ ንሓዋርያት ክግለጽ ከሎ ስለዘይነበረ፤ ንትንሣኤ ጐይታ ብሰሚዕ ጥራይ ዘይኮነስ ዝረኣዮ ምእንቲ ክምስክር ደልዩ “ከይረኣኹ ኣይኣምንን” ብምባሉ ጐይታ ናይ ልቡ ፈሊጡ ኣብ ሰሙኑ ዳግማይ ንሱ ኣብ ዝተረኸበሉ ተገልጸሎም እሞ ንቶማስ ሓዋርያ “ኣጻብዕኻ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይ ርኤ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐነይ ኣእትዋ። ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ኢሉዎ። ንሱ’ውን ከምኡ ገበረ። ኣእዳዉ ግና እሳተ መለኮት ስለዝተንከፈ ቆሪየን ተሪፈን። ጐይታ ግና ምሒርዎ። ቶማስ ድማ መሊሱ “ጐይታይን ኣምላኸይን” ኢሉ በቲ ሓደ ኣምላኽነቱ በቲ ካልእ ድማ መሓርነቱን ጐይትነቱን መስከረ። ስለዚ እዚኣ መዓልቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ትንሣኤኡ ዘረጋገጸላን ምሥጢር ንሓዋርያት ዝገለጸላን ስለዝኾነት ዳግማይ ትንሣኤ ተባሂላ ትፍለጥ።
ቀዳም፦ አንስት ተባሂላ ትጽዋዕ። (ሉቃ ፰፥፪-፫ ሉቃ ፲፥፴፰-፵፪ ማቴ ፰፥፲፭ ዮሓ ፲ሉቃ ፳፫፥፳፯-፳፱ ሉቃ ፳፬፥፩-፲፪ ማቴ ፳፭፥፩-፲፪) ኣብ ዘመነ ሥጋዌኡ ንጐይታን ሓዋርያትን ብገንዘበንን ብጉልበተንን ንዝገልገላን፡ ኣብ እዋን ስቕለቱ ድማ ዋይ ዋይ እናበላ ክሳብ ቀራንዮ ንዝሰዓባ፡ ከይወገሐ ከሎ ኣብ ዕለተ ትንሣኤኡ ቅድሚ ሰበን ብለይቲ ናብ መቓብር ጐይታ ጨና ሒዘን ብምግስጋሰን ቅድሚ ዝኾነ ካልእ ሰብ ትንሣኤ ክርስቶስ ንዝተገልጸልን ቅዱሳት ኣንስት መዘከርታ ክኸውን ኣንስት ተባሂላ እዛ መዓልቲ ተጸዊዓ ኣላ።
ዓርቢ፦ ቤተ ክርስቲያን ተባሂላ ትጽዋዕ። (ማቴ ፳፮፥፳፮-፳፱ ግብ ሓዋ ፳፥፳፰) ብክርስቶስ ደም ተዓዲጋ ኣብ ዝተመሥረተት ቤተ ክርስቲያን ዓባይ መዘከርታ ብምዃና ኣብ ሰሙነ ፋሲካ ዘላ ዓርቢ ቤተ ክርስቲያን ተባሂላ ትጽዋዕ። ቤተ ክርስቲያን ማእከል ስብከት ስቕለትን ትንሣኤን፡ ኣካል ክርስቶስ፡ ቤተ እግዚአብሔር ምዃና ኵልና እንፈልጦ ሓቂ ድማ እዩ።
ካብ ጲላጦስ ኣመኃዳሪ እስራኤል ናብ ሔሮድስ ንጉሥ፥
ካብ ኵሉ ዝፈትዎ ኃወይን ዓርከይን ሔሮድስ፣ መልእኽትኻ(ንጎይታ ስቀሎ ዝብል) ኣብ ዘንበብኵሉ ጊዜ፡ ኅውነትካን ፍቕርኻን ምስ ፈለጥኩ፥ ንዓኻ ብላሽ ደስ ከብለካ ብዘይድሌተይ #ንኢየሱስ_ናዝራዊ ሰቐልክዎ። ምስ ሰቐልክዎ ከኣ ኣብ ልዕሊ መስቀል ሞተ፣ ብዘይካ ኣብዕለት ዓርቢ ኣብ ሰማይን ምድርን ብእኡ መንክራት ዝኾና፡ ሞይቱ ከሎ ጎኑ ብኲናት ምስ ወግእዎ ደምን ማይን ኣውጽአ፤ ሠለስተ ዕለት ምውት ኮይኑ ከኣ ኣብ መቓብር ድማ ተቐመጠ። ሕዝቢ ኣይሁድ ከኣ ከምቲ ሕጎም ኣብ መቃብር ከቐምጥዎ ኣዘዙ።
ዝተኃረዩ ሰባትን፡ ክቡራት ናይ ኣይሁድ ኣዝማድ ዝኾኑ እዚኦም ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ብኢዶም ገኒዞም ኣብ መቓብር ኣቐመጥዎ። ኣይሁድ ድማ ንሱ ከምዝተንሥአ ኣይኣመኑን። ኣብ መቃብሩ ምስ ከድና ከኣ መግነዛት ዝተቐመጡ ረኸብና፣ ኣብ ልዕሊ ዝሞተ(ጥጦስ ) ምስ ኣንበርናዮ ከኣ ደኃነ፣ ክሳብ ሕጂ ከኣ ብሥጋ ኣሎ። እዚ እቲ ክሰቕሎ ኢለ ዝለኣኽክዎ ሓለቓ ሚእቲ ከኣ ናባኻ ምስ መጽአ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ፈውሲ ክትርኢ ኢኻ። ምኽንያቱ ንሱ ነተን መግነዛት ዘልዓልናየን ምስ ኃዘን እታ ዝዓወረት ዓይኑ ከም ቀደማ ኮይና ኢያ።
እዚ ኵሉ ከኣ ኣብ መቃብሩ ኢዩ ተፈጺሙ፣ ነዚ ከኣ ሓለቓ ሚእትን ኣነ ኣገልጋሊ ኃውኻ ጲላጦስን ካብ ሰብ እስራኤል ተፈሊና ምስክር ኢና። ኵሉ ዝጸሓፍኵሉካ ክርእዩ ከኣ ብዙኃት ንበዓል ፍሥሕ(ፋሲካ) ካብ ብዙኃት ዓድታት መጽኡ። ስለ’ዚ ኃወይን ዓርከይን ሔሮድስ ብዙኃት ጭንቂ፡ ዓባይ ድፍረትን ጌርና ኢና እሞ፣ ስለ ንወዲ እግዚኣብሔር ዝሰቐልናዮ፡ ኣብ ልዕሊ ነፍስና ንብከይ።
እንበኣር ኃወይ እዚ መልእክቲ ብሓቂ ጸሓፍኩ ናባኻ ሰላምኩን!
ምንጪ
ድርሳነ ድንግል
ግብረሕማማት
ኃሙስ
ኃሙስ፦ ሓሙስ ኣዳም ተባሂላ ትጽዋዕ። (ሉቃ ፳፬፥፳፭-፵፱) እቲ ብጌጋኡ ዝወደቐን ሞት ዝተፈርዶን ቀዳማይ ሰብ ኣዳም እዩ። ስለዝተጣዕሰ ድማ ናብ ገነት ዳግማይ ከምዝምለስ፤ ኣምላኽ ካብ ጓል ጓሉ ተወሊዱ ድኅሪ ፭ መዓልትን ፈረቓን ከምዝደኅኖ ተስፋ ዝተዋህቦ ቅድሚ ኵሉ ድማ ባዕሉ ኣዳም ነበረ። ኣዳም ተስፍኡ ተፈጺሙሉ ምስ ደቁ ደቁ ናብቲ ዝቐደመ ኽብሩን፡ ስፍርኡ ገነትን ንምእታዉ መዘከርታ እዛ ሓሙሸይቲ መዓልቲ ሓሙስ ኣዳም ኃሙስ ተባሂላ ትጽዋዕ።
ኣልኣዛር
ረቡዕ፦ ኣልኣዛር ተባሂላ ትጽዋዕ። (ዮሓ ፲፩፥፴፰-፵፮) ፈታዊ ክርስቶስ ዝነበረ ኣልኣዛር፡ ኣርባዕተ መዓልቲ ድኅሪ ምማቱን ምቕባሩን ካብ መቓብር ጸዊዑ ጐይታ ስለዘተንሥኦን፡ ብዙኃን’ውን ነዚ ተኣምር ርእዮምን ሰሚዖምን ብጐይታ ስለዝኣመኑን፤ ኣብታ ዕለት ድማ ጐይታ “ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ፤ እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተ ሞተ እኳ ብሕይወት ኪነብር እዩ” ብምባል ብግልጺ ስለዝመሃረን ስለዘርኣየን፡ እዚኣ መዓልቲ ነዚ ዓቢይ ግብሪ ትንሣኤ ንምዝካር ኣልኣዛር ተባሂላ ትጸዊዓ ኣላ።.
ቶማስ
ሠሉስ፦ ቶማስ ተባሂላ ትጽዋዕ። (ዮሓ ፳፥፳፬-፴) ኣብ ዕለተ ትንሣኤኡ ሰንበት ምሸት፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሓዋርያት ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ኣትዩ ክግለጸሎም ከሎ ኣብ ሞንጎኦም ቶማስ ሓዋርያ ኣይነበረን። ጸኒሑ ካብ ዝነበረሉ ምስ ተመልሰ፡ ካልኦት ሓዋርያት ትንሣኤ ጐይታ ምስ ነገርዎ “ከይረኣኹ ኣይኣምንን” ብምባሉ፡ ኣብ ሰሙኑ ጐይታ ዳግማይ ቶማስ ኣብ ዝተረኽበሉ ስለዝተገልጸን “ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ኢሉ ንሱ ምዃኑ ስለዘረጋገጸሉ፡ ነዚ መዘከርታ ክኽውን ተባሂሉ እዚኣ ዕለት ብቶማስ ተጸዊዓ ኣላ።
ማዕዶት
ሰኑይ፦ ማዕዶት ተባሂላ ትጽዋዕ። (ዮሓ ፲፱፥፲፰ ሮሜ ፭፥፲-፲፯) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሞቱን ትንሣኤኡን ነፍሳት ካብ ሲኦል ኣውጺኡ (ፀአተ ሲኦል) ናብ ገነት ምስግጋሩ ንምዝካር ማዕዶት ተባሂላ ተሰይማ ኣላ። ማዕዶት ማለት ምስግጋር ማለት ከም ምዃኑ ነፍሳት ብዕለተ ዓርቢ ስቅለት፡ ጐይታ ብኣካለ ነፍስ ናብ ሲኦል ወሪዱ ናጽነት እንተሰበኸሎምን ሓራ እንተውጽኦምን እኳ፡ እዚኣ ማዕዶት ተባሂላ ትጽዋዕ ዘላ ሰኑይ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ ግብሪ ተዘክርን ተስተንትንን።