መደብ ትንሳኤ

ቀዳም ሥዑር
በዚኣ ዕለት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ከርሰ መቓብር ዝወዓለላ መዓልቲ ብምዃና ምእመናን ካብ እኽለ ማይ ርሒቖም ጸይሞም ይውዕሉ። እዚ ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምንን ቅዱሳን ሓዋርያትን ተስፍ ዝገበሩሉ ኣምላኾም ብኣይሁድ ካብ ዝተታሕዘሉ ዕለተ ሓሙስ ክሳብ ብርሃነ ትንሣኤኡ ዝርእዩ ንሞቱ ብምዝካር፡ ንትንሣኤኡ እናናፈቑ ብጾም ከምዘኅልፍዎ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ዘረድእና እዩ። ምእመናን’ውን ነዚ ኣብነት ወሲዶም ዝኽእሉ ካብ ዕለተ ኃሙስ ዘይኽእሉ ድማ ካብ ዕለተ ዓርቢ ኣትሒዞም ክሳብ ሰንበት ትንሣኤ ይጾሙ። በዚ መሠረት ከኣ ጐይታ ኣብ መቓብር ስለዝወዓለ ቀዳም ሰንበት ክነሳ (ሰንበት ብሕጊ ኣይጽወምን እዩ) ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ስለእትጸውም “ሥዑር” ተባሂላ ትጽዋዕ። ብኻልእ ድማ ዲያብሎስ ብመስቀሉ እተሣዕረሉን ነፍሳት ካብ ሲዖል ዝተበርበሩሉን ዕለት ስለዝዝከረሉ ሥዑር ተባሂላ ትጽዋዕ።
ቀዳም ለምለም፦ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ስግደትን ጾምን ዝቀነዩ ምእመናን፡ ብዕለተ ቀዳም ናይ ንግሆ ጸሎት ምስ ተፈጸመ ካህናት “ገብረ ሰላም ብመስቀሉ” (ብመስቀሉ ሰላም ገበረ) እናበሉ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተኣከቡ ምእመናን ሰቲ ይዕድሉ። ሰቲ ናይ ብሥራት ምልክት እዩ። እቲ ምሳሌኡ ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ብዘመነ ኖኅ ዝነበረ ሕዝቢ ካብ ሕገ እግዚአብሔር ወጺኡ ትእዛዝ ኣፍሪሱ ምድሪ ብዓመጻ መሊእዋ ነበረ። ምድሪ ድማ ብኃጢኣት ወዲ ሰብ ተጸይቃ ነበረት። እግዚአብሔር ኸኣ ንምድሪ ብማይ ኣይሂ ከጥፍኣ ንጻድቕ ኖኅን ስድርኡን ዝድኅነሉ መርከብ ክሰርሕ ኣዘዞ። ኖኅ ድማ ከምቲ ዝተባህሎ ገበረ። እቶም ሕዝቢ ትምህርተ ንስሓ ኖኅ ክሰምዑን ክቕበሉን ስለዘይደለዩ፡ እቲ ግዜ ምስ ኣኸለ ኖኅ ሸሞንተ ነፍሳት ሒዙ ናብ መርከብ ኣተወ። ብድኅሪ’ዚ ከኣ ምድሪ ብማየ ኣይኅ የዕለቕለቐት። ጻድቕ ኖኅ ግዚኡ ምስ ኣኸለ ካብቶም ሒዝዎም ዝኣተወ ኣንስሳ ናይቲ ማይ ምጉዳል ክትርኢ ንርግቢት ሰደዳ፤ ንሳ’ውን እቲ ማይ ከምዝጎደለ ምልክት ልሙዕ ቖጽሊ ኣውሊዕ ሒዛ ተመልሰቶ። ኖኅ’ውን በቲ ቖጽሊ ኣውሊዕ እቲ ማይ ከምዝጐደለ ተረዲኡ ተሓጐሰ። (ዘፍ ፰፥፩-፳፱) ከምቲ ሰቲ፡ ምንቓጽ ጥፍኣት ማይ መበሰሪ ዝኾነ ሕጂ’ውን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብሞት ክርስቶስ፡ ሞተ ነፍስ ካብ ደቂ ኣዳም ከምዝረሓቐ ክተበስር ብካህናት ኣቦታትና ኣቢላ ሰቲ ትዕድል፤ ምእመናን ከኣ ነቲ ናይ ድኅነት ምልክት ዝኾነ ሰቲ ኸኣ ኣብ ግንባሮም ይኣስርዎ።
ቅዱስ ቀዳም፦ ቅዱስ ዝኾነ እግዚአብሔር ንፍጥረታት ኵሉ ምስ ፈጠረ በዚኣ ዕለት ካብ ኵሉ ስርሑ ዝዓረፈሉ ክኸውን ከሎ፤ ብሓዲስ ኪዳን ከኣ ንኵሉ ናይ ምድሓን ሥርሑ ፈጺሙ ብሥግኡ ኣብ መቓብር ከዕርፍ ከሎ፤ ብነፍሲ ኸኣ ንሲዖል ዘሚቱ ጥርሓ ዘትረፈሉ ዕለት ዝዝከረሉ እዩ። ኣብ ሲዖል ዝነበሩ ነፍሳት ናይ ዘለዓለም ዕረፍቲ ዘውረሰሉ ዕለት ስለዝኾነት ካብ ካልኦት መዓልትታት ብዝተፈልየ ቅዱስ ቀዳም ተባሂላ ትጽዋዕ።
እምበኣር ደቂ ክርስቶስ ዝኾንና ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፤ ካብ ሲዖል ናብ ናይ ቀደም ቦትኡ ገነት ምምላስና ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ እናስተንተንና ንበዓለ ትንሣኤ ክነብዕል ኣሎና።
ዓርቢ ስቅለት
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስቴ መድኃኒት ስቴ ሕይወት ንዓለም ዝኾነላ ዕለት ዓርቢ እያ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ድማ እዚ ተባሂሉ ክግለጽን ክፍቐድን ዘይከኣል ጸዋተወ መከራን ፲፫ ሕማማተ መስቀል ተቐቢሉ እዩ። ኣብ መስቀል ኮይኑዉን ዓበይቲ ምሥጢራት ዝሓቘፋን መልእኽቶምን ረዚን ዝኾና ፯ ቃላት ኣብ መስቀል እንከሎ ተዛሪቡ እዩ። እዚአን ድማ ፯ቱ አጽርሐ መስቀል ተባሂለን ይፍለጣ። ንሳተን ድማ ፦
፩. ኦ! ኣቦይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ኣይትሓዘሎም (ሉቃ ፳፫፥፴፬)
፪. ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ሎሚ ገነት ምሳይ ክትኣቱ ኢኻ (ሉቃ ፳፫፥፵፫)
፫. እንሆ ወድኺ፡ እንሀት ኣዴኻ (ዮሓ ፲፱፥፳፮-፳፯)
፬. ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰብቅታኒ (ማቴ ፳፯፥፵፮)
፭. ጸማእኩ (ዮሓ ፲፱፥፴)
፮. ኣቦይ ነፍሰይ ናብ ኢድካ ኣማዕቝባ ኣለኹ (ሉቃ ፳፫፥፵፮)
፯. ተፈጸመ (ዮሓ ፲፱፥፴)
፯ተ ፍሉያት መልእኽቲ ዘለዎን ተኣምራት ድማ ተፈጺመን እየን። እተን ሠለስተ ኣብ ሰማይ ዝተፈጸማ ኮይነን እተን ፬ ድማ ኣብ መሬት እየን። ንሳተን ድማ፦
፩. ፀሓይ ጸልመተት፡
፪. ወርኂ ደም መስለት፡
፫. ከዋኽብቲ ረገፉ፡
፬. መጋረጃ ቤተ መቅደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ፡
፭. ኣእባን ተፈተቱ (ኣኻውሕ ተጨዱ)፡
፮. መቓብራት ተኸፍቱ፡
፯. ምውታት’ውን ተንሥኡ።
ኃሙስ
ኣብዛ ዕለት እዚኣ ጐይታ ዝፈጸሞም ዓበይቲ ነገራት ብዙኃት እዮም። ብጥቕልሉ ኣብዚኣ ዕለት እግሪ ሓዋርያቱ ብትሕትና ዝሓጸበሉ፡ ምድላው ፋሲካ ዝተገብረሉ፡ ድኅሪ ፋሲካ ድማ ሥርዓተ ቁርባን ዝተሰርዓሉ፡ ኣብ ጌተሰማኔን ካልእን ጸሎት ዝጸለየሉ፡ ይሁዳ ንጐይታ ብምስዓም ኣኅሊፉ ዝሃበሉን ጐይታ ድማ ብኢድ ኣይሁድ ዝተተሕዘሉን፡ ነዊሕ ናይ መጠቓለሊን መሰናበትን ትምህርቲ ዝሃበሉ ወዘተ እዩ። ነቲ ግብሪ ጐይታ መሠረት ብምግባር ኸኣ መምህራን ነዛ ሓሙስ ዝተፈላለዩ ስያመታትይ ሂቦማ ይርከቡ ኣለዉ።
መዓልቲ ጸሎት (ጸሎተ ኃሙስ)፦ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋሕዶ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ንምግላጽን ንምርዳእን ከምኡ’ውን ኣርኣያ ንምዃንን ጸሓፍት ፈሪሳውያን መጺኦም ክሳብ ዝሕዝዎ ክጽልይ ዝሓደረሉ ዕለት ስለዝኾነ መዓልቲ ጸሎት ትበሃል። (ማቴ ፳፮፥፴፮-፵፮ ዮሓ ፲፯) ንሕና’ውን ናብ ፈተና ከይንኣቱ ብጸሎት ክንነቅሕን ከየባተኽና ክንጽልይ ከምዝግባእና በዚ ዕለት እዚ ምሂሩና እዩ። ብሓፈሻ ኣብዚ ዕለት እዚ ጐይታ ኣብ ሠለስተ ቦታ ጸሎት ከምዝገበረ ስለዝጥቐስ መዓልቲ ጸሎት ተባሂላ ክትጽዋዕ ዝሰማማዕ ስያመ እዩ። እዚ ኸኣ ጐይታ፡ ቀዳማይ ነቲ ኅብስቲ ኣብ ጽርሐ ኒቆዲሞስ ቅድሚ ምብራኹ ምጽላዩ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ወንጌለ ዮሓንስ ምዕራፍ ፲፯ ንዘሎ ብዙኅ ምሥጢር ዘለዎ ጸሎት ምጽላዩ፤ ሣልሳይ ድማ ቅድሚ ብኣይሁድ ምትሓዙ ኣብ ጌተሰማኔ ዝጸለዮ ጸሎት ብምህላዉ እዩ።
መዓልቲ ሕጽበተ እግር፦ ጐይታ፡ በዚ ዕለት እዚ ትሕትና ፍቕሪ ተኣዛዚ ምዃን ከምኡውን ትርጉም ኣገልግሎት ንኸረድእን ኣብነት ንምዃንን እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ትሕት ኢሉ ተንበርኪኹ ዝሓጸበሉ ዕለት እዩ። (ዮሓ ፲፫፥፲፪-፳፱) ስለዝኾነ’ውን ካብ ፓትርያርክ ጀሚሩ ክሳብ ካህናት ኣቦታት በብማዕረጎም “ኣብ ሞንጎና ተረኺብካ ናትናን ናይ ሕዝብኻን ኃጢኣት ሕጸብ። ንሕና’ውን ናትካ ኣብነት ብምስዓብ እግሪ ንሓጽብ ኣሎና” እናበሉ ኣብ ኣጸደ ቤተ ክርስቲያን ንዝተረኽቡ ካህናትን ምእመናንን ብቖጽሊ ወይኒ ኣውሊዕ ሳዕሪ ወዘተ ይሓጽቡ።
እዚ ኸኣ ጐይታ ኃጢኣት ደቂ ሰባት ክሓጽብን ከጽርይን ዝመጸ ጐይታ ምዃኑ ብምሳሌ ገይሩ ኣርኣየና። ብኻልእ ድማ ንሓዋርያት ምሥጢረ ጥምቀት ዝፈጸመሉን ዝሰርዓሉን ዕለት እዩ። “ተጠምቁ አርድእት በምሴተ ኃሙስ ለጸቢሐ ዓርብ እምቅድመ ይንሥኡ ሥጋሁ ቅዱሰ ወደሞ ክቡረ ወወደየ ማየ ውስተ ምንዛኅ ወአጥመቆሙ ለኵሎሙ አርዳኢሁ” (ተስእሎተ ባስልዮስ ከምዝበለ)
መዓልቲ ምሥጢር፦ ካብተን ሸውዓተ ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን እቲ ሓደ ዝተመሥረተሉ ዕለት እዩ። “ክበልዑ ኸለዉ ኢየሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሩሱ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ሂብዎም፡ እዚ ሥጋይ እዩ ውሰዱ ብልዑ፡ በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሃቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙኃት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ” (ማቴ ፳፮፥፳፮) እናበለ ሃቦም። በዚ ድማ ንሕና ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ተቐቢልናን ምስኡ ፍጹም ኅብረት ክህልወና ንዲያብሎስ ፍጹም ስዒርና መንግሥተ ሰማያት ክንወርስ ምእንታን ዝተሰርዓልና እዩ። ነዚ መልእኽተ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ምእመናን ብንስሓ ተሓጺቦም ሥጋ ወደሙ ክቕበሉ ኣጥቢቓ ቤተ ክርስቲያን ተተሓሳስብ እያ።
መዓልቲ ሓዲሽ ኪዳን፦ መሥዋዕተ ኦሪት ማለት ብደም እንስሳ ዝቐርብ ዝነበረ ናይ ብሉይ ኪዳን መሥዋእቲ ከምዘብቀዐን ንድኅነት ኣዳምን ደቁን ንድኅነት ዓለም ንርእሱ ዝተፈተወ መሥዋእቲ ገይሩ ዘቕረበሉን፤ መሥዋእተ ኦሪት ብመሥዋእተ ሓዲስ ዝተከኣሉን ዕለት ስለዝኾነ እዩ። “ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ።” (ሉቃ ፳፪፥፳ ማቴ ፳፮፥፳፯)
ኪዳን ማለት ኣብ ሞንጎ ክልተ ወገን ዝግበር ውዕል ማሕላ ስምምዕ ማለት እዩ። በዚ መሠረት ከኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ደቂ ኣዳም ደሙ ብምፍሳስ ሥግኡ ብምቑራስ ዘለዓለማዊን ሓድሽን ኪዳን ዝፈጸመሉ ዕለት እዩ።
መዓልቲ ናጽነት፦ ካብቲ ብውርሻ ንዅሉ ደቂ ኣዳም ባርያ ዲያብሎስ ዝገበረ ዕዳን ናብራ ባርነትን ከምዘብቀዐን ዳግማይ ክብርና ከምዝተመልሰን ሓርነትና ዝተኣወጀሉን ዝተረጋገጸሉ ዕለት እዩ። “እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዝፈለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩም እየ።” (ዮሓ ፲፭፥፲፭)። ኵልና ውሉደ ክርስቶስ ዝኾንና ካብ ባርነት ኃጢኣት ርሒቕና ግብረ ጽድቂ እናሰራሕና ምስ ኣምላኽና ንተዓረቐሉ ምግባር ክህልወና ይግባእ። ደጊም ባሮት ኣይክትበሃሉን ኢኹም ተባሂልና ኢና። ዘሎናን ዝተዋህበናን ጸጋን ክብርን ሸለል ኢልና፡ ካብ ርትዕቲ ሃይማኖት ርሒቕናን ሰናይ ምግባር ኣጥፊእናን ዳግማይ ባርያ ዲያብሎስ ከይንኸውን ኸኣ ክንጥንቀቕ ይግባእ። (ቀዳማይ ጴጥ ፪፥፲)
መዓልቲ ምድላው ፋሲካ፦ ኣብ ሠለስቲኡ ወንጌላት ከምእንረኽቦ (ማቴ ፳፮፥፯-፳፫) ኣብዚ መዓልቲ እዚኣ ድማ ምድላው ፋሲካ ተገይሩላ እዩ። ፋሲካ ማለት ኃለፈ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ እስራኤላውያን ኣብ ምድረ ግብጺ ኣብ ባርነት ከለዉ ቅድሚ ሓራ ምውጽኦም እግዚአብሔር መልኣኹ ልኢኹ ንሊቀ ነቢያት ሙሴ ነፍስ ወከፍ እስራኤላዊ ሓደ ዓመት ዘይገበረ በጊዕ ሓሪዱ ንልዳት ገዝኡ ብደም እቲ ገንሸል ምልክት ይግበረሉ፤ ሽዑ መልኣኽ እግዚአብሔር ንመቕሰፍቲ ሞተ በኵር ተኣዚዙ ክመጽእ ከሎ ነቲ ምልክት ርእዩ ንእስራኤላውያን እናሓደገ ንግብጻውያን ከምዝቐዝፍ ተነግሮ። ነቢይ ሙሴውን ንዅሎም እስራኤላውያን ነገሮም። ንሳቶም’ውን ከምዝተኣዘዝዎ ፈጸሙ። (ዘጸ ፲፪፥፩-፳) ከምቲ ምሳሌኡ ብብሉይ ኪዳን ደም በጊዕ ንመሥዋእቲ ዝፈስስ ዝነበረ፡ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ከኣ ኣማናዊ በጊዕ ባዕሉ ጐይታ ንርእሱ መሥዋእቲ ገይሩ በጃና ደሙ ኣፍሲሱልና እዩ። በዚ ኸኣ እዩ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ፋሲካ ተባሂሉ ዝጽዋእ። ብምፍሳስ ደሙ ሞተ በኩር ዝተባህለ ሞተ ነፍስ ኣርሒቑልና እዩ። “ገንሸል ፋሲካና ማለት ክርስቶስ ተሠዊኡ እዩ እሞ…” (ቀዳማይ ቆሮ ፭፥፯ ቀዳማይ ጴጥ ፡፩፥፲፰-፲፱)
መዓልቲ ትእዛዝ፦ ኣብዚኣ ዕለት ጐይታ ዝተፈላለዩ ክግበሩን ክፍጸሙን ዘለዎም ትእዛዛት ስለዝኣዘዘ ናይ ትእዛዝ መዓልቲ ተባሂላ ትፍለጥ። እዚ’ውን ኣእጋር ሓዋርያቱ ድኅሪ ምሕጻቡ “ንስኻትኩም’ውን ከምኡ ግበሩ” ኢሉ ኣዚዙ እዩ። እዚ ድማ ናይ ትሕትና ፍቕሪ ኣብነት እዩ። ብዘይካ ምሳሌኡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ዕለት ክፍጸም እንርእዮ፡ ኣብ ሃገርና’ውን ኣብ ውሽጢ እቲ ኅብረተሰብ እዚ ትእዛዝ ንዘመናት ዝተፈጸመን ካብ ስድራ ቤታዊ ምክብባር ኣትሒዙ ዝፍጸም ዘሎን እዩ። ኣብ ከተማታት ምስ “ምዕባለ” ደኣ እናተረፈ ይኸይድ ኣሎ እምበር እዚ ዓቢ በረኸት ዘለዎ ሰናይ ግብሪ ኣብ ሃገረሰብን ብዓቢዩ ድማ ኣብ ገዳማት ሃገርና ጋሻ ኣብ ምቕባል ዝረአ ቀዳማይ ተግባር ብምዃኑ ኣዝዩ ባህ ዘብል ቅዱስ ባህሊ ከምዘሎና ዘርእይ እዩ። ጸኒዑ ድማ ክቕጽል ዘለዎ እዩ። እቲ ካልእ ትእዛዝ ድማ ኣብ ጌተሰማኔ “ናብ ፈተና ከይትኣትዉስ ተጊህኩም ጸሎዩ” ኢሉ ብዛዕባ ጸሎት ዝኣዘዞ እዩ። እቲ ሣልሳይ ድማ ሥርዓተ ቁርባን ድኅሪ ምስርዑ “ከመዝ ግበሩ ተዝካርየ” ብዝበሎ መሠረት ስቕለቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ወዘተ እናዘከርና ኣማናዊ ዝኾነ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ወትሩ ክስራዕ ከምዘለዎን ተዳሊና ክንቕበሎ ዝእዝዝ እዩ። ካልኦት ትእዛዝ’ውን ከምኡ።
መዓልቲ ሓምላይ ሓሙስ፦ ኣብዚኣ ዕለት እዚኣ ጐይታ ኣብታ ለምለም ዝኾነት ስፍራ ኣታኽልቲ ከምዝጸለየ ስለዝተጠቕሰ በዚ ስም ትጽዋዕ እያ። ጐይታ ብዙኅ እዋናት ምስ ሓዋርያቱ ይኸደላ ብምንባሩን ይሁዳ ድማ ኣጸቢቑ ስለዝፈልጣ ናብኣ መሪሕዎም መጸ። ጐይታ ግና ኣብዚኦ ቦታ ብሥልጣኑን ብፍቓዱን ከምዝተተሓዘ ደጊሙ ዘረጋገጸሉ ኸኣ እዩ። ምኽንያቱ ኵሎም ከም ሽፍታ ኣባትርን ኣስያፍን ሒዞም ምስ መጹዎ፡ ንመን ከምዝደልዩ ሓቲቱ፡ ንእኡ ምዃኑ ምስ ነገርዎ “ኣነ እየ” ስለዝበሎም ኵሎም ኣድሓርሒሮም ናብ ምድሪ ፍግም ኢሎም ከምዝወደቑን ክሳብ ዝፈቕደሎምን ክሕዝዎ ከምዘይተኻእሎም ዘግሃደሉ ቦታ እዩ። (ዮሓ ፲፰)
ጐይታ ከምቲ ብዕለተ ሠሉስ ዝገበሮ ሰፊሕን ዓሚቕን ኣስተምህሮ ብዛዕባ ምሥጢረ ሥላሴ፡ ምሥጢረ ሥጋዌ፡ ምሥጢረ ትንሣኤ ሙታን (ዳግማይ ምጽኣቱ ዝምልከት) ዝመሃረሉ ዕለት እዩ። (ዮሓ ፲፬፥፲፮) ነዚ ትምህርቲ ድማ ኣዕሚቕካ ምፍላጡን ምርድኡን ከምዘድሊ ንኸረድእ ስለዝደለየ እዩ ነዚ ሰፊሕ ትምህርቲ ዝሃበ እምበር ብተኣምራት ገይሩ ብቀሊሉ ከረድኦም ምኸኣለ። ብተወሳኺ ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተረኺቦም ንዝወሃብ ትምህርቲ ብግቡእ ክኸታተሉን ንዘይተረድኦም ክሓቱ ከምዝግባእ ንመሃር ኢና፤ ከመይሲ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነቲ ንሱ ዝመሃሮም ትምህርቲ ክከታተሉን ነቲ ዘይተረድኦም ክሓቱን ክርድኡን ኣብዚ መዓልቲ ንርእይ ኢና።
እዛ ዕለት’ዚ ጐይታ ቅድሚ ስቕለቱን ሞቱን ንመወዳእታ ሰዓት ምስቶም ዝኃረዮምን ዝፈትዎምን ሓዋርያቱ ብኃባር ዝተራኸበላን ዝመሃረላን ዕለት እያ። እቲ ቅዱስ ቃል’ውን ንሱ ናብ ዝቐደመ ክብሩ ናብ ናይ ባህርይ ኣቡኡ ዝኸደሉ ጊዜ ከም ዝበጽሐ ፈሊጡ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ከምዘፍቀሮም እዩ ገሊጹ። ስለዚ ፍቕሪ ናይ ኵሉ መወዳእታን መእሰርን ምዃኑ እዩ ምሂሩና።
ካልእ ጐይታናን መድኃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ንይሁዳን ንጸሓፍት ፈሪሳውያን ሰዓት ሠለስቱ ምሸት (ትሽዓተ) ብኢድ ኣይሁድ ክተሓዝ ንርእሱ ኣኃሊፉ ዝሃበሉ ዕለት’ውን እዩ። (ማቴ ፳፮፥፵፯-፶፰) ኣቐዲሙ’ውን መን ከም ዘትሕዞ፡ ይሁዳ እንታይ ዓይነት ምኽሪ ምስ ኣይሁድ ከምዝመኸረ ዝፈልጥ ጐይታ ካብ ኵሎም ሓዋርያት ፈልዩ እቲ ሓደ ንጹህ ከምዘይኮነን ኣኅሊፉ ከምዝህቦን መጠንቀቕትኡን ዝገለጸሉን እዩ። እዚ ኸኣ ብፍቓዱ ዝተተሓዘ ምዃኑ ዘርእይ እዩ። ይሁዳ’ውን ብመሠረት ዝገበሮ ምኽሪ ብምስዓም ንጐይታ ኣትሒዝዎ እዩ። ነዚ መሠረት ብምግባር ድማ ነቲ ምልክት ሰላምን ፍቕርን ዝኾነ ሰላምታ ንክፉእ ዕላማታቱ (ንጐይታኡ ኣኅሊፉ ንምሃብ) ስለዝተጠቕመሉ ንሕና’ውን ነዚ ንምዝካር ኣብ ሰሙነ ሕማማት ነንሕድሕድና ኣይንሰዓዕምን ኢና።
ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን እዝኒ ማልኮስ ዝቖረጸሉን፡ ሰይፉ ናብ ሰፈሩ ክምልስ እተነግሮን፡ ከምቲ ጐይታ ዝበሎ ድማ ደርሆ ከይነቀወ ሠለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ ሰባት ብኣፉ ዝኸሓደሉን መሪር ንብዓት ብምንባዕ ድማ ዝተነሰሓሉን እዩ። (ዮሓ ፲፰)
ሥርዓተ ሓሙስ
እዚ መዓልቲ እዚ ካብ ካልኦት ብፍሉይ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝቐደሰሉ ዕለት እዩ። ይኹን ደኣ እምበር እቲ ዝፍጸም ሥርዓተ ቅዳሴ’ውን ካብቲ ካልእ መልእኽትን ምሳሌን ብዘለዎ ኣገባብ ቅሩብ ፍልይነት ዘለዎ እዩ። እዚ ኸኣ ኣይሁድ ንጐይታ ንምሓዝ ብናቶም ሓሳብ ኣድብዮምን ብስውር ቀስ ኢሎምን ዝሓዘሉ ዕለት ስለዝኾነ ነዚ ንምዝካር ኣብዚ ዕለት ብሎኃሳስ (ብዘይ ዓው ዝብል ድምጺ ተሰጥዎ) እዩ እቲ ቅዳሴ ዝፍጸም። ኣብ ክንዲ ቃለ ዓዋዲ’ውን ጸናጽል ንጥቀም።
ኣብዚ ዕለት ከምቲ ጐይታ ንሓዋርያት ዝገበሮ ንሳቶም’ውን ነንሕድሕዶም ድማ ከምኡ ክገብሩ ስለዝኣዘዘ፤ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ብዝምስጥ ሥርዓት ንመዘከርትኡን በረኸት ንምውሳድን ሕጽበተ እግር ቅድሚ ቅዳሴ ይፍጸም እዩ። ድኅሪ ቅዳሴ ድማ ነዚ ዕለት ብፍሉይ ዝዳሎ ኅብስትን ጥጥቖን ብኃባር ይብላዕ።
ኣብ ረቡዕ ሠለስተ ነገራት ተፈጺሞም እዮም። እቲ ቀዳማይ ኣሕሉቕ ካህናትን ጸሓፍት ፈሪሳውያንን ብሓፈሻ ማኅበረ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ሞት ጐይታ ምኽሮም ዝፈጸሙሉ ዕለት እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ጐይታ ኣብ ቤት ስምኦን እንከሎ ሓንቲ ኃጥእት ሰበይቲ ኅድገት ኃጢኣት ክትርከብ ኢላ ናብ ጐይታ መጺኣ ጥዑምን ክቡርን ጨና ዝለኸየትሉ፡ ብንብዓት እግሩ ዝሓጸበትሉ፡ ብጨጉራ ድማ ብንብዓት ንዘጠልቀየቶ ኣእጋሩ ዝደረዘትሉን ዕለት እዩ። እቲ ሣልሳይ ድማ እቲ ከሓዲ ይሁዳ ናብ ጸሓፍት ፈሪሳውያን ካህናትን ብምኻድ ንጐይታ ኣሕሊፉ ክህብ ከምዝተሰማምዐን ፴ ቅርሺ ዝመዘኑሉን መዓልቲ እዩ።
ምኽረ ሞቱ
ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ንጐይታ፡ ማኅበራተ ኣይሁድ በብእዋኑ ክፈታተንዎን፡ ዝቐትሉሉ ኣጋጣሚታት ክጣበቡን፡ ምኽሪ ክገብሩን ብዙኅ ደኺሞምን ጽዒሮምን እዮም። ክቐትልዎ ዝፈተኑሉ ጊዜ እንተነበረ’ውን ተሰቒሉ ንዓለም መድኃኒት ዝኾነሉ ጊዜኡ ስለዘይኣኸለ ግና ገለ እኳ ክገብሩ ኣይተኻእሎምን ነይሩ። ምኽንያቱ ጐይታ ኵሉ ብፍቓዱን ብሥልጣኑን ዝገብሮ ስለዝኾነ። ስለዚ እዩ ድማ “ጊዜይ ገና ኣይበጸሐን” “ጊዚኡ ስለዘይኣኸለ” እናበለ ኣብ ብዙኅ ፍጻመታት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክገልጽ ጸኒሑ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ምሴተ ሓሙስ ግና “እንሆ፡ እታ ጊዜ በጽሔት፡ ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪተሓዝ እዩ።” ክብል ብፍቓዱን ኵሉ ብመደቡን ዝኾነ ምዃኑ ዝገለጸልና። ጸሓፍት ፈሪሳውያን፤ ዓበይቲ ሽማግለታትን ሊቃውንትን ሰዱቃውያንን ካልኦትን ኵሎም ግና ንጐይታ ዝሕዝሉን ኣሕሊፎም ንሞት ዝህቡሉን ምኽሪ ኣቐዲሞም እኳ ከመላልስዎን ክሓስብዎን እኳ እንተጸንሑ ምኽሮም ዝሓዘሎምን ፍጻመ ዝረኸቡሉን ግና ኣብዛ መዓልቲ እዩ ነይራ።
በዛ ዕለት እዚኣ ኣይሁድን ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ንጐይታ ከመይ ገይሮም ከም ዘትሕዝዎ ምኽሮም ዝፈጸሙላ ዕለት ስለዝኾነት ዕለተ ምኽረ ኣይሁድ (መዓልቲ ምኽሪ) ተባሂላ ትጽዋዕ። ንሳቶም ብሊቀ ካህን ቀያፋ ብዝምራሕ ጉባኤ ኣይሁድ (ሲኒሃ ድርየም) ድኅሪ ብዙኅ ምኽሪ ይሙት ኢሎም ክውስኑ ከለዉ ሓደ ስክፍታ ግና ነይርዎም። እዚ ኸኣ ንሞት ክውስኑ ከለዉ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ብትምህርትን ተኣምራትን ጐይታ ብዙኃን ይስዕብዎ ስለዝነበሩን ኣብ በዓለ ፋሲካ ድማ ብዙኅ ሕዝቢ ስለዝእከብ እንታይ ንግበር ዝብል በቲ ሓደ፡ በቲ ካልእ ድማ ክገብርዎ ብዝሓሰቡሉ ጕዳይ ዕግርግር ህውከት ከይፍጠር ስግኣትን ጭንቀትን ነበሮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ጭንቂ ኵነታት ከለዉ ካብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ሓደ ዝነበረ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኣብ ማእከሎም ስለዝተረኽበ ናይቲ እኩይ ምኽሮም ተሓጋጋዚ፡ ብርቱዕ ጭንቀቶምውን ፈታሒ ዝረኸቡ መሲሉ ተራእዮም። (ማቴ ፳፮፥፩-፲፬ ማር ፲፬፥፩-፪ ፲፥፲፩ ሉቃ ፳፪፥፩-፮) ንክሰማምዕዎ ድማ ኣይደንጐዩን። ንጥፍኣት ኣዝዮም ተቐላጠፉ።
በዚ ዕለት ናይ ጐይታ ምኽረ ሞት ስለዝተፈጸመን ንድኅነት ዓለም ዝኸውን ሞቱ ስለዝተወሰነን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን “ጾመ ድኅነት” ኢላ በብሰሙኑ ክጽወም ኣዊጃቶ ትርከብ። ንሳቶም በቲ ሕዝቢ ተቐባልነቶም ከይሃስስ፤ ክብሮም ከይጐድል፤ ቀኒኦም ብክፍኣት “ይሙት” ኢሎም እኳ እንተወሰኑ፤ ኣብ ዕለተ ዓርቢ’ውን ክርስቶስ ምእንቲ ክስቀል ነቲ ሕዝቢ “ስቐሎ” እናበለ ብዓውታ ንጲላጦስ ከጫንቑሉ ውዲት እኳ እንተገበሩ ኣዳምን ደቁን ግና ነቲ መድኃኒቶም ሞይቱ ሞቶም ክድምስሰሎምን ድኅነት ክሰብከሎምን ካብ ኣሽሓት ዘመን ጀሚሩ ብተስፋ ይጽበይዎ ነበሩ።
ማርያም ኃጥእት
እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታ ጥዑም ጨና ብኢድ ማርያም ኃጥእት ዝተለኸየላን፡ ኃጢኣት እታ ዘማዊት ዘሥተስረየላን መዓልቲ እያ። ከመይሲ ጐይታ ኣብ ቤት ስምኦን ዘለምጽ እንከሎ መዋዕላ ኣብ ዝሙት ተዋፊራ ዝነበረት ማርያም ኃጥእት ደጊም ብኃጢኣት ተበላሽዩ ንዘሎ ሕይወተይ ልክዕ ከም ጥዑም ጨና ዘማእዝወለይ ንኃጢኣተይ ዝኃድገለይ ጐይታ መጸ ብምባል ክቡር ዝዋግኡ ኣልባስጥሮስ ዝተመልአ ጨና ኣብ ርእሱ ብምንስናስ ዝለኸየትሉ ኣብ እግሩ ወዲቓ ድማ ብንብዓታ ዝሓጸበትሉን ብጨጉሪ ርእሳ ድማ ዝደረዘትሉ ዝዝከረሉ መዓልቲ እያ። (ማቴ ፳፮፥፮-፲፫ ማር ፲፬፥፱ ዮሐ ፲፪፥፰) ስለቲ ንሳ ዝገበረቶ ሰናይ ተግባር ድማ ጐይታ “እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኲላ ዓለም እዝ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” ኢሉ ቃል ኪዳን ኣትዩላ እዩ። በዚ መሠረት ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክብረ በዓላት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ጥዑም ጨና ምንስናስ መዘከርታ ናይዛ ምሕረት ዝረኸበትን ኪዳን ዝተቐበለትን ማርያም ኃጥእትን ምዃኑ ንዝክር። ብኣኣ ኣቢልና’ውን ክፍኣትን ምስሉይ ድንጋጸን ይሁዳን ንዝክር።
ከሓዲ ይሁዳ
ይሁዳ ኣቐዲሙ ብእንባቆም ትንቢት ዝተነግረሉ ከምዝነበረ መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽዎ እዩ። እዚ ከኣ እቲ እንባቆም ነቢይ ክምህር ውዒሉ ናብ ዓዲ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ኵሎም ኣብ ቅርዓት ዓዲ ዝጸንሕዎ ክብሪ ንምሃብ ካብ ምቕማጦም ተንሢኦም ሰላምታ ከቕርቡሉ ከለዉ ኣቦ ይሁዳ ግና ካብ ዝተቐመጠሉ እምኒ ብዘይምትንሥኡን ንናይ እግዚአብሔር ሰብ ክብሪ ብዘይምሃቡን፡ እቲ ናይ እግዚአብሔር ሰብ “እምኒ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተነቢሩ ኣሎ” ብምባል “ኣብኡ ዝቐትል፤ ንኣዲኡ ዘውስብ፤ ንጐይትኡ ዝሸይጥ” ውላድ ከምዝወልድ መርገም ዘለዎ ትንቢት ተነበየሉ። በብሓደ ድማ ኵሉ ተፈጺሙ እዩ።
ንኣብኡ ኣብ ኲናት ከምዝቐተለ ናብ ኣዲኡ ከምዝኣተወን ኣዲኡን ንሱን ኣብ ዝፈለጡሉ፡ በዚ ግብሮም ተጣዒሶም ከለዉ ጐይታ ትምህርቱ ዝጀመረሉ ዘመን ስለተጋጠመ ናብ ጐይታ ከይዶም ብምንስሖም፤ መሓሪ ዝኾነ ጐይታ ንኣደ ይሁዳ ናብ ፴፮ቱ ቅዱሳት አንስት ክጽንብራ ከሎ ንይሁዳ ድማ ሓዋርያ ክበሃል ኃረዮ። ካብ ሞንጎ ፲፪ተ ሓዋርያት ድማ ዐቃቤ ንዋይ ገበሮ። ይኹን ደኣ እምበር ብእዝኑ ትምህርቲ ጐይታ ይስማዕን ናይ ኢዱን ቃሉን ተኣምራት ይርኣይ ደኣ እምበር ልቦንኡስ ፍቕረ ንዋይ ዝበቖሎን፡ ካብቲ ዝተዋህለለ ገንዘብ ናይ ምልዓል ኣመል ዝነበሮን እዩ።
ማርያም ብኃጢኣታ እናበኸየት ክቡር ጨና (፫፻ ዲናር ዝዋግኡ) ኣብ ርእሲ ጐይታ ከተፍስስ ከላ “እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ፧ ንብዙኅ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ” ኢሉ ደንጋጺ ድኻ መሲሉ ብቀዳምነት ዝተራእየን ኣብ ውሽጡ ንዝነበረ ፍቅረ ንዋይ ኣግሂዱ ዝተዛረበን ንሱ እዩ ነይሩ። ይኹን ደኣ እምበር እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ዝፈልጥ ኣምላኽ “ድኻታትሲ ዅሉ ግዜ ምሳኻትኩም እዮም፡ ኣነ ግና ኲሉ ግዜ ምሳኻትኩም ኣይነብርን። እዚ ኣብ ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ቕዱይ ቅብኢ ግና ንምቕባረይ ከተዳልወኒ እያ ዝገበረቶ።” ብምባል ብዛዕባ ቅድሚ ሞቱ ዝተገብረ ምዃኑ ብምሥጢር ደጊሙ ተዛረበ። ንሱ ግና ከምስል እተዛረቦ እምበር ንድኻታት ደንጊፁስ ኣይነበረን።
እቲ ዘቕረቦ ሓሳብ ቅቡል ኮይኑ ስለዘይተረኽበን፡ ነቲ ብምሻጥ ጨና ክረኽቦ ዝኽእል እሞ ዝሰኣኖ ገንዘብ ከከሓሕስ ኣብ ልቡ ዝሓደረ ፍቅረ ንዋይ ኣገዲድዎ ናብቶም ጸላእቲ ጐይታ ከደ። ይሁዳ ጸሓፍት ፈሪሳውያን ኣብ ልዕሊ ጐይታ ዝተደጐለ ጽልእን፡ ክሕዝዎ’ውን መገዲ የናድዩ ከምዝነበረ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ስለዝነበረ፡ ሓደ ካብቶም ደቀ መዛሙርት ጐይታ እዩ ኢሎም ክነጽጉኒ ዶ ይኾኑ ኢሉ ከይተሰከፈ ብስዉር ከይዱ “ኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሊፈ ክህቦስ እንታይ ትህቡኑ” ኢሉ ውዕል ገብረ። ንሳቶም ድማ ካብ ውሽጢ ደቀ መዛሙርት ጐይታ ከምዚ ዓይነት ከሓዲ ብምርካቦም ተሓጒሶም ፴ ቅርሺ መዘኑሉ። እቲ ዝገርም ዕሽር ናይቲ ዋጋ ጨና ምቕማሮም እዩ። እዚ ዘኅዝን ታሪኽ ኣብ ሠለስተ ወንጌላውያን ተመዝጊቡ ድማ ይርከብ። (ማቴ ፳፮፥፫-፲፮ ማር ፲፬፥፩-፲፩ ሉቃ ፳፪፥፩-፮)
ይሁዳ ከምቶም ካልኦት ሓዋርያት ትምህርቲ ጐይታ ኣጸቢቑ ዝተማህረ እዩ። ኣብ ብዙኅ መተርጐመ ወንጌል’ውን ከምእንረኽቦ ጐይታ፡ ንይሁዳ ምኽንያት ከይገድፈሉ ብምባል ተኣምራቱ ንሱ ኣብ ዘለዎ ይፍጽም ከምዝነበረ እዩ ዝገልጽ። ካብ ቃና ዘገሊላ ጀሚሩ “ካብዚ ተኣምር ስለዘትረፈኒ ኣብ ሞቱ ኣተኽዎ” ኢሉ መመኽነዪ ከይረክብ ተኣምራቱ ክርእይ ትምህርቱ ክስምዕ ፈቒዱሉ እዩ። በረኸተ ኅብስቱ በሊዑ እዩ። ክፉእ ምኽሩ እናፈለጠውን ካብ ካልኦት ከይፈለየ ትሕት ኢሉ ተንበርኪኹ እግሩ ሓጺቡዎ እዩ። ጐይታ ግና “ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ ይኸይድ። ግናኸ ነቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሓዝ ሰብኣይ ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሔሾ ነይሩ” ክብል ኣብ ልዕሊኡ ዝበጽሕ ነገር ከቢድ ምዃኑ ገሊጽዎ እዩ።
ካልኦት ሓዋርያት ካብ ጐይታ ተማሂሮም ንዘይሓልፍ ፍቕሪ ኣምላኽ ከጥርዩን፡ ንፍቕሪ ድማ ገንዘቦም ገይሮም ብዛዕባ እግዚአብሔር ፍቕሪ ምዃኑ ኣስፊሖም ክምህሩ ከለዉ፤ ንሱ ግና ፍቕሪ ንዋይ ኣታሊልዎ ካብ ናይ ሓዋርያነት ክብሩ ብግብሩ ክፍለይን መርገም ከትርፍን እዩ ተረኺቡ።
እዛ መዓልቲ’ውን ናታ ዓበይቲ ትምህርትታት ኣለዋ። ማኅበረ ኣይሁድ ንክፋእ ከምዝመኸሩ ንሕና’ውን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ እግዚአብሔር ኣብ ዘይፈትዎ ክፉእ ምኽሪ ከይንሠምር ክንጥንቀቕ ከምዝግብኣና እዩ። ብውልቃዊ ሓሳባትን ሥጋዊ ጥበብን ሕይወትና ካብ ምምራሕ እግዚአብሔር ኣምላኽ ምኽርን ጥበብን ክገልጸልና ወትሩ ክንልምኖ ከምዝግባእ ከነስተውዕል ኣሎና። ንእግዚአብሔር ኣብ ሕይወትና ነቐድሞ። ንሱ ይምርሓና። ኣብኡ ሰላምን ኵሉ ጽቡቕ ነገርን ኣሎ። ሎሚ ዓለምን ፈተውታን ናታ ስለእተደልይ ኣብ ልዕሊ ኣካልን ቤትን ክርስቶስ ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ክንደይ ጉድ ትመክር ኣላ። ክንደይ ከ ብጸላእታ ይእለም ኣሎ፧ ኣብ ጸልማትን ድኅሪ መጋረጃን ኣንጻር ሓድነትን ልዕልናን፡ ደቃን ክብራን፡ ትምህርታን ሥርዓታን ወዘተ ክንደይ ዘይተመኸረን ዘይምክርን ዘሎ፧ እግዚአብሔር ይፈልጦ!! ንሕና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝኾንና ግና ንሓድነታ፡ ሓዋርያዊ ንዝኾነ ትምህርታን ሥርዓታን ንዕየይ እምበር ኣብ ክፉእ ምኽሪ ጸላእታ ኣይንሥመር። እዚ ኸኣ ሎሚ ዝጀመረ ዘይኮነስ ካብ ጥንቲ ዝጀመረን በብዘመኑን ኣቦታትና ዝተቃለሱሉን ምዃኑን ኢና ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝነገረና እሞ ኣቦታትና ንምሰል።
እቲ ካልእ ትምህርቲ ድማ ሓቀኛ ንስሓ እዩ። እታ ብዝምውና ትናበር ዝነበረት መልክዐኛ ሰበይቲ ማርያም ኃጥእት፡ ምሉእ ኣካላታ ኣብ ቅድሚ መስትያት ድኅሪ ምርኣያ “ሞት ከሎ እሞ እዚ ኵሉ ጽባቐ እንታይ ይገብር” ኢላ ንነፍሳ ጸሊኣ ሰባት ተስሕተሉ ንዝነበረ ሓጢኣት ዘኪራ በቲ ክፉእ ግብራ ተጣዕሰት። ኃጢኣታ’ውን ከበዳ። “ኃጢኣተይ ክኃድገለይ” ብምባል ብእምነትን ብምሉእ ልብን ነቒላ ድማ ናብ ክርስቶስ ብምኻድ ኣብ እግሩ ወዲቓ ብንብዓት ከምዝለመነቶን ምሕረት ከምዝሃባን ኣብዚ ዕለት እንዝክሮ ታሪኽ እዩ። ጐይታ ድማ ናይቲ ዝሓለፈ ኣይጸብጸበላን። ብፍጹም ጣዕሳ ስለዝመጸቶ ተቐበላ። ንሕና’ውን ብግሁዶ ይኹን ብስውር ካብቲ ንመላለሰሉ ዘሎና ናይ ኃጢኣት ናብራን መገድን ወጺእና ናብ ኣምላኽና ንምጻእ። እንተደኣ ብምሉእ ልብና ተመሊስና ይቕረ ክብለና ኣምላኽና ብቃሉ እሙን እዩ። ንትምህርቲ ጐይታ መሠረት ገይሮም፡ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ኣዕይንተ እግዚአብሔር ናይ ዝተባህሉ ክኣስሩን ክፈትሑን ሥልጣን ናይ ዝተወህቦም ካህናት ጻውዒትን ትምህርትን ድማ ንሱ እዩ። እወ ካህናት’ውን መማህራነ ንስሓ እዮም እሞ ተመለሱ ይብሉና ኣለዉ። ቃሎም ከም ክርስቶስ ብመገዲ ቅድስና ተመላለሱ ዝብል እዩ። ፍትወትን መልክዕን ሃብትን ወዘተ እዚ ዓለም ኵሉ ሓላፊ እዩ። ዘይሓልፍ ቃለ እግዚአብሔር እዩ እሞ ናብ ቤቱ ንመለስ። ኣብኡ ኵሉ ናይ እግዚአብሔር ጸጋ ኣሎ።
ካብ ይሁዳ ኸ እንታይ ንመሃር፧ ፭ ሺሕ ፭፻ ዓመታት ነፍሳት እናወሓጠት ተትርፍ ዝነበረት ሲኦል ክትብርበር ከላ፡ ኣብ ዘመነ ሓዲስ መተወኒ ሲዖል ኮይኑ ዝተረኽበ ይሁዳ እንታይ ስለዝገበረ እዩ ኢልና ርእስና ንሕተት። ትምህርትን ቃልን ጐይታ ይሰምዖ ነበረ እምበር ኣይነብሮን ነይሩ። ልቡ ብፍቕሪ ገንዘብ ዝተኣስረ እዩ ነይሩ። እቲ ኃጢኣት ድማ ንጐይትኡ ክሳብ ምሻጥ ኣብጽሖ። እቲ ትንቢት ነቢያት ድማ ኣብ ርእሲኡ ተፈጸመ። ንሕና ኸ፧ ልብና ብፍቕሪ ገንዘብን ዓለምን ዝተመልአ ድዩ ዋላስ ንፍቕሪ ክርስቶስ ስፍራ ኣለዎ፧
ንገንዘብ እምበር ንቃልን ትምህርትን ክርስቶስ ግዲ ዘይብሎም፡ ስለ ምስማዕ ዝሰምዕዎ፡ ስለ ምምሃር ዝመሃርዎን ዝራቀቑሉን ደኣ እምበር ዘይነብርዎ ብዙኃን ንርኢ ኣሎና። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንቤተ ክርስቲያን ስለ ገንዘብን ሥጋዊ ክብሮምን ዝሸጥዋን ኣኅሊፎም ዝህብዋን ናይ ዘመንና “ይሁዳ”ታት ኣዕንትይና ይዕዘቦም ኣሎ። ብርግጽ ሎሚ ቤተ ክርስቲያንና ትሕመስ ዘላ በዞም ናይ ዘመንና “ይሁዳ”ታት ምዃኑ ዘይስተውዓለ እንተሎ ልቢ ይግበር። ዘመንና ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ብኣፎም ስለ ዕብየታን፡ ትምህርታን፡ ቅኑዕ ምሕደራኣን ወዘተ ዝጣበቑ ዝመስሉ ደንገጽቲ፡ ብልቦም ግና ክልተ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቃል እግዚአብሔር ዘይሰማማዕ ዕላማታት ኣናቢሮም ዝኸዱ “ይሁዳ” መስሪሑ ኣሎ። ቀትሪ “መላእኽቲ” “ፈላጣት” ዝመስሉ ለይትን ድኅሪ መጋረጃን ግና ግብረ “ሰይጣን” ዘለዎም ይሁዳታት ተቀልቒሎሙሉ ዘለዉሉ ዘመን ስለዝኾነ ምእመናን ነስተውዕል፤ ጸሎት ንግበር። ብርሃንን ጸልማትን ሕብረት ክፈጥሩሉ ዘይሓፍሩ፤ ጽድቅን ኃጢኣትን “ዘራኸብዎ” እዚኦም ናይ ዘመንና “ኣገልገልቲ” ኣብ ልቦም ገንዘብ እምበር ቤተ ክርስቲያን የላን። ምስ ጸልመተን ምስ ኣጸልመቱን ኣይከም እቶም ጻድቃን ኣቦታትና ምኽሮም ምስ እግዚአብሔር ኣይኮነን፤ ምስቶም ገንዘብ ዝምጥውሎም ኣስራሕቶምን መሳርሕቶምን እምበር። እግዚአብሔር ናይ ንስሓ ዕድመ ይዓድሎም፤ ዝበደልዋን ዝብድልዋ ዘለዉ ቤተ ክርስቲያን ዝኽሕስሉ ዘመን የምጽኣሎም እምበር ብእዋኑ ምስ ዘይምለሱ እግዚአብሔር ስለ ቤቱ ቀናእ እዩ እሞ ነዚኦም’ውን ዕጫ ይሁዳ ክትስዕቦም እያ።
ሠሉስ መዓልቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ብዕለተ ሰኑይ ዝፈጸሞ ተግባር መሠረት ገይሮም ምኽንያት መኽሰሲ ክረኽቡ ጸሓፍት ፈሪሳውያን ንጐይታ ዝሓተትሉ እዋን እዩ ነይሩ። ሞቱ ብዝምልከት ብዝያዳ ካብ ሰኑይ ኣትሒዞም ኣጽኒዖም ክመኽሩ ጀሚሮም ስለዝነበሩ ነቲ ንዓታቶም ካብ ቤተ መቅደስ ብምስጓግ ካብ ዝፈጸሞ ተግባራት ብምብጋስ በየናይ ሥልጣን ነዚ ይገብር ከምዘሎን ካልእን ሕቶታት ሓተትዎ። ስለዚ ድማ እዛ ኣብ ሰሙነ ሕማማት እትርከበ ሠሉስ መዓልቲ መሕትት (ሕቶ) ተባሂላ’ውን ትፍለጥ እያ። ብካልእ ድማ እታ ፍረ ብዘይምሃባ ሰኑይ ዝተረግመት በለስ ሰኑይ ክትቕምስል (ክትነቅጽ) እንተጀመረት’ውን ፈጺማ ነቒጻ ዝተረኽበት ሠሉስ መዓልቲ እያ።
ኣይሁድ ፈሪሳውያን ብትምህርቲ ጐይታ ወትሩ ቀናእቲ ብምንባሮምን ኵሉ ሰብ ድማ ይስዕቦ ኣሎ ብምባል ይሓሙ ስለዝነበሩን ኣብ ቅድሚኦም ከቢድ ዝመስሎም መስቀላዊ ሕቶታት ብምሕታት ጐይታ ምስ ገዛእቲ ዓለምን (ቄሳራታት ሹመኛታቶምን) ሕዝቡን ከባእስዎ ተንኰል ካብ ምእላም፡ ፈተነ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይውዕሉን ነበሩ። ኣብዚ ናይ መወዳእታ ሰሙን’ውን ፋሲካ ንምኽባር ናብ ኢየሩሳሌም ምምጽኡ ኣይተርፍን፤ ብዙኅ ሕዝቢ’ውን ብትምህርቱን ተኣምራቱን ይስዕቦን ይኣምነሉን ኣሎ፤ ንሕና ከ ንመን ሒዝና ክንተርፍ ኢና፤ ኣብ ትምህርቱ ድማ ንግብርታትና የቃልዖ ኣሎ ብምባል ኣዝዮም ተሻቒሎም ነይሮም። በዚ መሠረት ድማ ብዓቢ ኽብሪ ብህጻናትን ኣዕሩግን እንተላይ ብኣእባን ቢታንያ እናተመስገነ ናብ ቤተ መቅደስ ምእታዉን፡ ነታ መሻቐጢን መናገዲን ገይሮሞ ዝነበሩ ቤተ መቅደስ ዕዳጋታቶም ገማጢሉ ስለዝሰጐጎምን ብጭጉራፍ ገይሩ ብውርደት ስለዘባረሮምን ከምኡውን ሓቀኛ ዕላማ ቤተ መቅደስ ድማ ብምንጋር ነቲ ክፉእ ግብሮም ስለዘጋህዶን ስለወቐሶምን ሻቕሎቶም ሰማይ ዓሪጉ ነበረ። ስለዚ ከኣ እዩ ኣይሁድ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ነቲ ምኽሪ ሞት ክሕግዞም ዝኽእል ዝበልዎ ነገር ክሰርሑን መኽሰሲ ምኽንያት ከናድዩን ሓዲሮም ብጽባሒቱ ሠሉስ ሕቶታት ዝሓተትዎ።
እቲ ሕቶ ድማ “በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካ፧” ዝብል ነበረ። (ማቴ ፳፩፥ ፳፫-፳፯ ማር ፲፩፥፳፯-፴፫ ሉቃ ፳፥፩-፰) ነቲ መስቀላዊ ሕቶኦም ክምልስ ከሎ ብናተይ ሥልጣን እየ ዝገብር እንተበለና ምስ ሮማዊ መንግሥቲ ከነባእሶ ኢና ዝብል ነበረ። ምኽንያቱ ዕዳጋን ንግድን ክተክልን ክነቅልን ዝኽእልን ብኸመዚ ዓቢ ምስጋና ክምስገን ዝግብኦ ንጉሥ ክኸውን ኣለዎ ብምባል እዩ። ነገሥታት ድማ ብሥልጣኖም ዝመጽእ ከምዘይጻወርዎ ርዱእ ነገር ምዃኑ ኣብ ልደት ጐይታ ብሄሮድስ ዝተቐትሉ ፻፵፬ እልፍ ዝኾኑ ህጻናት ምዝካር እኹል እዩ። ብናቶም ሕሳብ ድማ ጐይታ ካብ ምድራውያን ነገሥታት ኣይኮነን ክህነት ካብ ዝግብኦም ሌዋውያን’ውን ኣይኮነን፡ ብኸመይ ደኣ ዕዳጋና ክብትን ሕጊን ትእዛዝን ዘለዎ ትምህርቲ ክምህር ከምኡ’ውን ተኣምራት ክገብር ዝኽእል እናበሉ እዮም በየናይ ሥልጣን ክገብር ከምዝኸኣለ ክፍልጡ ደልዮምን ተንኰል ተኒጎም ናብኡ ዝመጹ። ንሱ ግና ልብን ኵሊትን ዝምርምር ኣምላኽ ስለዝኾነ ከም ወትሩ ክፍኣቶም ፈሊጡ ሕቶኦም ብሕቶ መሊሱ ኣሕፈሮም። “ጥምቀት ዮሐንስ ካበይ እያ፧ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ፧” ብምባል ድማ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ንሓድሕዶም ተዛራሪቦም “ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ? ክብለና እዩ ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ግና፡ ንዮሐንስ ኲሎም ከም ነብዪ ይቘጽርዎ ኣለዉ እሞ፡ ንሕዝቢ ንፈርህ።” ብምባል “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። ጐይታ ድማ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን፡ በሎም ይብል ቅዱስ መጽሓፍ። በዚ ድማ ነቲ ሓቂ ልቦም እናፈለጠ ሓፊሮም ከዱ። ብተዘዋወሪ ግና ብሥልጣኑ ምዃኑ እዩ ነጊርዎም ዝነበረ። ኣስዒቡ ድማ “አማን አማን እብለክሙ ከመ መጸብሐውያን ወዘማውያት ይቀድሙክሙ ውስተ መንግሥተ እግዚአብሔር..” (ተገውትን ኣመናዝርን ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ቅድሜኹም ከም ዚኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” ኢሉ ብምስላ ገይሩ ስለዘይምእማኖምን ግብሮምን ወቐሶም። ኣይሁድ ፈሪሳውያን ሓቀኛ መንነቶም ብምቅላዕ ሰፊሕ ተግሳጻዊ ትምህርቲ ዝሃበሉ’ውን ኣብዚ መዓልቲ እዩ። (ማቴ ፳፫)
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕለተ ሠሉስ ካልእ ሕቶታት’ውን ተሓቲቱን ተወሳኺ ትምህርቲ’ውን ምሂሩ እዩ። ብዛዕባ ምኽፋል ግብሪ፡ ትንሣኤ ሙታን፡ ወዲ ዳዊት ዝተባህለ መን ምዃኑ ዝምልከቱ ሕቶታት ዝመለሰሉን ብምስላ ገይሩ ድማ ዝመሃረሉን ኣብዚ ዕለት እዚ እዩ። (ማቴ ፳፩፥፰ ማር ፲፪፥፪ ማር ፲፫፥፴፯ ሉቃ ፳፥፱ ሉቃ ፳፩፥፴፰) እዚአን ትምህርትታቱ ድማ ትምህርተ ሠሉስ ተባሂለን ይፍለጣ። ብተወሳኺ’ውን ጐይታ ኣብ ቤተ መቅደስ ነዊሕ ትምህርቲ ዝመሃረሉ ዕለት’ውን ስለዝኾነ መዓልቲ ትምህርቲ’ውን ተባሂላ ትፍለጥ እያ።
ካብዛ ዕለት’ዚ እንመሃሮ መልእኽቲ እውን ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ካብ መርገምን ሞትን ክንድኅን ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ከነፍርይን ጐይታ ናባና መንፈሳዊ ፍረ ደልዩን ብሂጉን ኣብ ዝመጸሉ እዋን ቖጽሊ (ሃይማኖት) ጥራይ ዘይኮንስ ፍረ (ሰናይ ግብሪ) ሒዝና ክነጽንሖ ከምዝግባእ እዩ። ነዚአን ክልተ ነገራት ኣጣሚርና ምስ ንሕዝ ከኣ እዩ ብምሕረቱ ቀንዴልና ኣብሪህና ነቲ መርዓዊ (ክርስቶስ) ክንቕበል ድልዋት ክንከውን እንኽእል። ኣይኮነን “ሑሩ እምኔየ” ዝብል ፍርዲ መርገምን ሞትን ከምዝጽበየና ከነስተውዕል ኣሎና። ገሃነም ንደቂ ሰባት ተባሂሉ ዝተፈጥረ ኣይኮነን፤ ንዲያብሎስ እምበር። ይኹን ደኣ እምበር ጐይታ ስሌና ክብል ንዝፈጸመልና ዓበይቲ ግብርታት ኣስተውዒልና ክንስዕቦን ቃሉን ትእዛዙን ኣኽቢርና ክንፍጽሞም እንተዘይክኢልና ዕጫና ዘለኣለማዊ ጸልማት እዩ። ርኅሩኅ ኣምላኽና ግና ጥፍኣት ሓደ ሰብ ዝፈቱ ኣይኮነን። ኵልና ብንስሓ ናብኡ ክንምለስ መንፈሳዊ ፍረ ከነፍሪ ይጽውዓና ኣሎ እሞ ንስምዓዮ። ኣብ ጊዜኡ ተመሊስና ቃሉ ሰሚዕና እንተደኣ ስንቂ መንፈሳዊ ቋጺርና “ንዑ ኀቤየ ብሩካነ አቡየ” ክብለና እዩ።
ካልእ መልእኽቲ ናይዚ ዕለት’ውን ንጐይታ ምፍትታን ከምዘይግባእን፡ ንሕና’ውን ብሓቂ ኣብ መገዲ ክርስትና እንተሎና ብሰባት ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ዝገበርና ክፉእ እንፍደየሉ ጊዜ ክህሉ ስለዝኽእል ብኵሉ ክንግረም ከምዘይብልና ዘረድእ እዩ። ዘለአለማዊ ሥልጣን ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ጐይታ፤ ከም ፍቓዱ ንሰባት ሥልጣን ዝህብ ኣምላኽ፡ እንተላይ ነቲ ሒዞም ዝነበረ ሥልጣን ዝሃቦም ንሱ ክነሱ ብኃጥኣንን ክፉኣትን ሰባት ነዚ ሥልጣን ዝሃበካ መን እዩ፧ ተባሂሉ ተሓቲቱ እዩ። እዚ ድማ መን ምዃኑ ስለዘይፈልጥዎ እዩ። ዝምርምር እምበር ዝምርመር ኣምላኽ ምዃኑ ኣየስተውዓልዎን። ሕቶኦም’ውን ናይ ቅንዕና ኣይነበረን። ንሱ ግና ንሕቶኦም ብሕቶ መሊሱሎም። ጐይታ ከምቲ ንዓይ ዝገበሩኒ ንዓኻትኩምውን ከምኡ ክገብሩኹም እዮም ከምዝበለ ኣብ ፍኖተ ሕይወት ንዘለዉ ደቂ ሰባት ብዙኅ ተጻብኦ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክመጾም ይኽእል። ንኵሉ ግና ብትእግስትን ጥበብን ምሓዙ ከምዝግባእን ምምላስ ከምዝከኣል’ውን ጐይታ ምሳሌ ገዲፉልና እዩ።
ብተወሳኺ’ውን ናይ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽነት እቶም ቅድሚ ፪ሺሕ ዓመት ዝነበሩ ጸሓፍት ፈሪሳውያን ይጠራጠሩ ከምዝነበሩ ሎሚ’ውን ብርእሲ ማዕዝን ዝኾነ ኣምላኽና ክርስቶስ ዝዕንቀፉ ዝጠራጠሩ (ሎቱ ስብሓት!) ዘይስሙ ዝህብዎ ኣዝዮም ብዙኃን እዮም። ንሱ ንዘለዓለም ናይ ባህርይ ኣምላኽ እዩ። ንሱ ካብ ሠለስቱ ኣካላት ሥላሴ ሓደ እዩ። ንሱ ፈጣሪ ኵሉ እዩ። ንሱ ስሌና ክብል ሰብ ዝኾነን ስለ ምድኃንና’ውን ጸዋተወ መከራ ተቐቢሉ ዝተሰቕለን ዝሞተ ዝተንሠአን ዝዓረገን እዩ። ይኹን እምበር ሎሚ’ውን ዓለም ትስሕቶ ኣላ። ብዘይምፍላጣን ምስትውዓላን ትዕንቀፍ ኣላ። ክብሩ ተትሕቶ ኣላ። መን እዩ ኢላ’ውን ብመስቀላዊ ሕቶታት ክትፍትኖን ሥልጣኑ ክትፈልጦን ትደሊ ኣላ። ኣካሉ ንዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እዚ ኵሉ ፈተና ዝመጻ ዘሎ ናይ ክርስቶስ ስለዝኾነት እዩ። ሎሚ’ውን ቤተ ክርስቲያን ንኵሉ መልሲ ኣለዋ። ርእሳን ኣምላኻን ክርስቶስ ምዃኑ ኣርጊጻ ትነግር ኣላ እሞ ደቂ ሰባት ኣስተውዒልና ንኺድ። ካብ መንጠልቲ ተዃሉ ድማ ንጠንቀቕ። ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ ኢሉ ባዕሉ ጐይታ ኣብ ፊልጶስ ዘቂሳርያ ከምዝሓተተ እሞ እግዚአብሔር ንዝገለጸሉ ዓቢን ቅኑዕን መልሲ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝመለሰ ንሕና’ውን መልስና መልሲ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ዓለም ብዙኅ መደናገሪ ኣበሃህላታት እኳ እንተለመደት ንሕና ግና ኣብ ትምህርትን ሃይማኖትን ሓዋርያት ጽኒዕና ንንበር።
ድኅሪ ናይ ሆሣዕና ዑደቱ፡ ጐይታና ብዕለተ ሆሣዕና ቢታንያ ናብ እትበሃል ቁሸተ መጺኡ ሓደረ። ንጽባሒቱ ክነቅል ከሎ ጠመየ እሞ ልምዕቲ ቆጽሊ በለስ ርእዩ ናብኣ ቀረበ። ግናኸ ብጀካ ቆጽሊ ፍረ ዝበሃል ኣይረኸበላን ደጊም ካባኺ ሓደ እኳ ንዘለዓለም ፍረ ኣይበላዕ ኢሉ ረገማ። ስለዝኾነ ከኣ እዚ ዕለት መርገመ በለስ ዝተፈጸመሉ ዕለት ይበሃል። ከምኡ’ውን ስዒቡ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትዩ ዝፈጸሞ ናይ ምጽራይ ግብሪ’ውን ኣብዚ ዕለት ዝዝከር እዩ። (ማር ፲፩፥፲፬-፲፯ ማቴ ፳፩፥፲፪-፲፯ ሉቃ ፲፱፥፵፭-፬፯)
ብጥቕልሉ ጐይታ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ክልተ ዓበይቲ ነገራት ፈጺሙ እዩ። እዚኦም ኸኣ መርገመ በለስን ኣንጽሖተ ቤተ መቅደስን (ምንጻሕ ቤተ መቅደስን) እዮም።
መርገመ በለስ
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚአብሔር እዩ። (ዮሓ ፩፥፩-፪) ኣምላኽና ድማ ብባህርይኡ ጥሜት ዝሰማምዖ ኣምላኽ ኣይኮነን። (ኢሳ ፵፮፥፳፭) ጐይታና’ውን ኣብ መዋዕለ ትምህርቱ ነቶም ክበልዕ ዝሓተትዎ ሓዋርያት “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ።” (ዮሓ ፬፥፴፭) ብምባል እዩ መሊሱሎም። ናይ ጐይታ ጥሜት ከማና ብንዴት ብምስኣን ዝመጸ ከምዘይኮነ እናስተውዓልና፤ ንሱ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ብሓደ ኣካል ብሓደ ባህርይ ዘሎ ስለዝኾነ ኣይጠመየን ኣይንብል ኢና።። ግና ንሰማያውያን መላእኽቲ ከይጠምዩን ከይጸምኡን ገይሩ ዝፈጠረ ኣምላኽ፤ ነቲ ዝረአ ዘይረአን ፍጥረት ዓለም ካብ ዘመን ናብ ዘመን ዝስስይ ኣምላኽ፤ ኣብ ብሉይ ንእስራኤላውያን ሓረስታይ ኣብ ዘይሓርሰሉ፡ ዘርኢ ኣብ ዘይርከበሉ፡ ማይ ኣብ ዘይዘንመሉ በረኻ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሕዝቢ ማና እናውረደ ን፵ ዓመት ዝመገበ፤ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ኅብስት አበርኪቱ ንልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሕዝቢ ዝመገበ ኣምላኽ እዩ “ጠምዩ” ምባሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። እወ ክምህረና ዝደለዮ ነገር ስለዘሎ እዩ ከምኡ ዝበለ። መጽሓፍ’ውን ጥምየት ጐይታ ጥምየት ፍረ በለስ ዘይኮነስ “በለስ ብሂል ቤተ እስራኤል እሙንቱ” ከምዝተባህለ ብበለስ ካብ ዝተመሰሉ እሞ ቀዳማይ ናብኦም ወገናቱ ዝመጸሎም ቤት እስራኤል ሃይማኖትን ሰናይ ምግባራን ምድላዩን ምብሃጉን ዘመልክት እዩ። ብመንጽረ በለስ’ውን ፍረ ስለዘይተረኽባ ዝተረገመት ድማ እስራኤል እያ። ተምሳሌያዊ ትምህርቱ ስዒብና ንመልከት።
- በለስ ናይ ቤተ እስራኤል ምሳሌ ክትከውን ከላ ፍረ ዝተባህለ ድማ ሃይማኖትን ምግባርን እዩ። ጐይታ ካብ እስራኤል ፍቕርን ሃይማኖትን ሰናይ ምግባርን ደልዩ ናብኦም እኳ እንተመጸን እንተመሃሮም’ውን ፍረ ኣይረኸበሎምን። እኳ ደኣ ንትምህርቱ ተጻረርዎ። ጐይታና ነቲ ዝደለዮ ብዘይርምካቡ ድማ ንጉባኤ ኣይሁድ ረገመ። ብመንጽር በለስ ኣብ ጉባኤ ኣይሁድ ንዝነገሠ ኃጢኣት ከምዝረገመ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ከረድእ ከሎ ድማ “በአንጻረ በለስ ረገማ ለኃጢአት” በለ።
- ቤተ እስራኤል እዚ መርገም በጺሕዋ እዩ። ሕዝበ እግዚአብሔር ተባሂላ እትፍለጥ እስራኤል ደጊም ነቢይነት፡ ክህነት፡ መሥዋዕት ካባኺ ኣይረኸቡ ኢሉ ስለዝረገማ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ትንቢት ክህነት መሥዋዕት ካብ እስራኤል ጠቒሊሎም ጠፍኡ።
- እቶም ሕግን ትንቢት ዝተነግሮም፤ ምሳሌ ዝተመሰለሎም፤ መጻሕፍቲ ዝተዋህቦም፤ መማህራንን ነቢያትን ዝተሰደሎም እስራኤል ካብኦም ክርከብ ዝግብኦ ፍረ ብዘይምርካቡ ተረጊሞም እዮም። ብኣንጻሩ ኣሕዛብ ናይ ቃሉ ትምህርቲ ሰሚዖም፡ ተኣምራት ኢዱ’ውን ርእዮም ብእኡ ስለዝኣመኑ ጸጋ ውልድነት ረኸቡ። ብዛዕባ እዚውን ኣመልኪቱ ቅዱስ ዮሓንስ ከምዚ ይብል ፦ “አሕዛብ አስተጋብኡ ጽጌረዳ ብኂሩቱ፡ ወሶኩሰ ተርፈ ኀበ አይሁድ ዘውእቱ ሕፀተ ሃይማኖት” (ኣሕዛብ ብጸጋ እግዚአብሔር እምባባ ኣከቡ፤ ብወገን ኣይሁድ ግና ኣእሻዅ ተረፈ፡ እዚ ኸኣ ጕድለት ሃይማኖት እዩ) እምበባ ናይ እግዚአብሔር ጸጋ ውልደነት ምሳሌ ክኸውን ከሎ ብኣንጻሩ ድማ እሾኽ ናይ መርገም ምሳሌ እዩ።
- በለስ ናይ ኦሪት ምሳሌ እያ። ጐይታ ንኦሪት ኣብዚ ዓለም’ዚ ጸኒዓ ምስረኸባ ኦሪትን ነቢያትን ክሥዕር ኣይመጻኹን ክፍጽም እምበር ብማለት ፈጸማ። ሕገ ኦሪት ምፍጻም እንተዘይኮይኑ ብኣኣ ምድኃን ኣይገበረላን። እኳ ደኣ ፍረ ብኣኺ ኣይረኸብ ኢልዋ። ከም ምንቃጽ ድማ ቀልጢፋ ኃለፈት። ብናይ ሓዲስ ኪዳን ናይ ድኅነት ዘመን ድማ ተተከአት።
- በለስ ናይ ኃጢኣት ምሳሌ እያ። ቆጽሊ በለስ ገፊሕ ከምዝኾነ ኃጢኣት ኣብዚ ምድሪ ኣስፋሕፊሓን ጸኒዓን ረኸባ። በለስ ክበልዕዎ ከለዎ ንጊዜኡ ይጥዕም ጽኒሑ ግና መቐረቱ ይልውጥ። ኃጢኣት’ውን ክፍጽምዎ ከለዉ ባህ የብል። ፍጻሚኡ ግና ምረት ሓዘን እዩ። ኣባኺ ፍረ ኣይረኸብ ምባሉ’ውን ብፍዳ ኃጢኣት ተታሒዙ ወዲቑ ዝተርፍ ኣይንበር ማለቱ እዩ፤ እታ በለስ’ውን ምስተረግመት ቀልጢፋ ምንቃጻ ብምኽንያት ኣዳም ዝረኸበትና ዕዳ በደል ብጐይታ ዝተደምሰሰልናን ዝጠፍኣልናን ምዃኑ ዝገልጽ እዩ።
አንጽሖተ ቤተ መቅደስ
ድኅሪ እዚ ጐይታ ካብ ቢታንያ ወጺኡ ናብ ቤት መቕደስ እዩ ዝኸደ። ቤት መቕደስ ኣምላኽ፡ ቤተ ጸሎት፥ ቤተ መሥዋዕቲ ምዃኑ ተሪፉ መሻየጥን መናገድን ኮይኑ ስለዝረኸቦ “ቤተይ ቤት ጸሎት ትበሃል ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓላሉ ገበርኩማ..” (ማቴ ፳፩፥፲፫)። ብምባል ንኵሉ መሻየጢ ሰደቓታቶም ገላበጦ፤ ዕዳጋኦም ድማ በተኖ፤ ብጭጉራፍ ድማ ሰጐጎም። እዚ ዘርእየና መሕደሪኡ መቅደሱ ክንከውን ዝመደበና ንሕና ደቂ ኣዳም፡ ኣብ ዓዘቕቲ ኃጢኣት ጥሒልና ስለዝተረኸብና ንኵሉ ኃጢኣትና ከምዘርሕቐልና ዝገልጽ እዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ እዩ አንጽሖተ ቤተ መቅደስ ዝተፈጸመላ ሰኑይ ተባሂሉ እትፍለጥ።
ሕጂ’ውን በዚ ግብሩ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መኅደሪኡ ንዝኾነ ቅድስት ቤቱ ከምዘኽብር፤ ካልእ ዘይግባእ ነገር ኣብኣ ክፍጸም ንሓዋሩ ከምዘይዕገሥ ዘርኣየሉን መልእኽቲ ዘመሓላለፈሉን እዩ። ንሕና’ውን ኣብ ቅድስት ቤቱ ይኹን ኣብ ዝቐደሶ ሰብነትና (መቅደሱ) ብንጽሕና ክነመላለስን ክንዕቅቦን ሕጉን ሥርዓቱን ኣኺብርና ክንከይድ ከምዝግባእና የረድኣና ኣሎ።