መበል 16 ሓባራዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ቤት ትምህርቲ ሰንበታት

Gepubliceerd op 7 mei 2025 om 18:51

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን!!!

 

መበል 16 ሓባራዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ቤት ትምህርቲ ሰንበታት ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግስነት ኔዘርላንድስ ኣብ ትሕቲ “ሠናይ ናይ እምነት ገድሊ ተጋደል” (ማቴ 6፥12) ዝብል ቴማ ብውዕውዕ መንፈስ ተቃኒዑ።

ዕለት 23/03/2025ፈረ ኣብ ዞባ ሰሜን ሆላንድ ከተማ ሃርለም ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያም ደብረ ሲና ናይ ኩለን ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶስ ተዋህዶ ቅዱስ ስኖዶስ ዝምሕደራ ናይ ኣብያተ ክርስቲያናት ቤት ትምህርቲ ሰንበታት ናይ ሓባር ጉባኤ ኣካይደን።
እቲ ጉባኤ ፍሉይ ካብ ዝገብሮ ብጹዕ ኣቡነ ጳውሎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳን ዓባይ ብርጣንያን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ርእሲ ምኻኑ ብጸሎተ ሰዓታትን ስብሓታትን ብያሬዳዊ ናይ ዐብይ ጾም መዝሙርን ብቅዳሴን ዝተሰነየ ብምንባሩ ኣዝዩ መንፈስካ ዘዕግብ ደስ ዘብል ኮይኑ ተቃኒዑ ።

ንጸሎተ ሰዓታት ለይቲ ሰዓት ክልተ ደወል ተደዊሉ።ቅዳሴ ድማ ብመሪሕነት ብጹዕ ኣቦና ንግሆ ሰዓት 7፥00 ተጀመሪሩ ሰዓት 10፥00 ተውዲኡ።ኩሉ ተሳታፊ ድማ በረኸት ቅዳሴ ተሳቲፉ ናብ ዝተዳለወ ጉባኤ ሰጊሩ።

መራሒ መደብ ብቀጥታ ድሕሪ ቅዳሴ ቀጺሉ መንፈሳዊ ሰላምታ ብምቅራብ ኣምላኽ ጉባኤና ክባርኸልና ናይ ሓባር መዝሙር ከምዝዝመር ድሕሪ ምግባር ብቀጥታ ናብ ዝተዳለወ መደብ ናብ ትምህርቲ ተሰጋገረ።

ትምህርቲ ናይ ሎሚ ብመሰረት ዝወጸ ቴማ ኮይኑ ብሓውናን መምህርናን መም.ቴድሮስ ኣለም ዝተዋህበ ኮይኑ “ሠናይ ናይ እምነት ገድሊ ተጋደል” ዝብል ኔሩ።

 

ዕላማ ናይዚ ትምህርቲ
1. ንሕና ንጋደሎ ገድሊ እንታይ እዩ፧
2.ብኸመይ'ከ ክንጋደል ንኽእል፧
3. ከይንጋደል'ኸ እንታይ ይዓግተና፧
ኣብ ዝብል ሓሳብ ብዕምቆት ዘተኮረ ኔሩ ።

ካብዚ ቀጺሉ ድማ ናይ ኩለን ቤት ትምህርቲ ሰንበታት ክፍሊ መዝሙር ብዓባይቲ መዘምራን ብፍሉይ ዝተዳለዋሉን ዝተላማመድኦን ንልቢ ዝምስጥ

ሰለስተ መዝሙር
1. ኤልሻዳይ
2. ቅንኣት ኣሎኒ ማርያም
3.ከም ምንዋሕ ዘመንሲ
ዝብላ ብምቅራብ መደብ ቀጺሉ።

ክፍሊ ኪነ ጥበብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ንኡስ ሃገረ ስብከት ነዚ ዕለት ዝምልከት ሥነ ጽሑፍን ግጥምን ምስ ኣቅረቡ ካብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ዝተወከሉ ማእከሎት መዘምራን ድማ መርሐ ግብር ተኸቲሎም መዝሙር ኣቅረቡ።

ኣብ መወዳእታ ብብጹዕ ኣቦና ኣብ እምነትና ዝያዳ ክንብርትዕን ክንጸንዕን ነቶም ብሰንኪ ናብ እግዚኣብሄር ብዘይምቅራቦም ብጭንቀትን ብወልፍታትን ዝሳቀዩ ዘለዉ ወገናትና ድማ ብዓይኒ ፍቅሪ ጠሚትና ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናይ ምምላስ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ኢዩ ብምባል ኣባታዊ ማዕዳኦምን ምክሮምን ድሕሪ ምልጋስ ጸሎት ብምሃብ ብሰላም ተፈጺሙ ።


ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!