በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!
ሆሳእና በኣርያም ሆሳእና በኣርያም ሆሳእና በኣርያም.
ሰላምታ ብምቅዳም ኣብ ዘለኽሞ ቅሳነትን ራህዋን ክህልወኩም ንምነ።
ብምቅጻል ከምዚ ተሓቢሩና ዝቀነየ ጽባሕ ሰንበት ዕለት 13/04/2025ዓ.ም.ፈ ብምኽንያት በዓለ ሆሳእና ኣገልግሎት ቅዳሴ ኣለና።
ከም ስርዓት ሆሳእና ድማ ማሕሌትን ዑደተ ሆሳእናን ምስ ገበርና ድማ ሆሳእና ክዕደለና እዩ።ስለዚ ኩልና ደቅና ሒዝና ክንመጽእ ቤተ ክርስቲያን ሓደራ ትብል።
ቤተ ክርስቲያን ሰዓት 2፥30 ናይ ለይቲ ክኽፈት እዩ።
ቅዳሴ ድማ ሰዓት 5፥30 ክንኣቱ ኢና።
ኣስተውዕሉ
እቶም ዋናታት ቤተ ክርስቲያን ክጥቀምሉ ስለዝኾኑ ሰዓት 8፥30 ናይ ንግሆ ቤተ ክርስቲያን ክንገድፈሎም ኢና።ስለዚ ኩልና ኣንግሂና ክንመጽእ ንላቦ።
ናይ መጋዓዝያ ጸገም ዘለኩም ሓብሩና ቤተ ክርስቲያን ኣቀዲምና ክንከፍተልኩም ንኽእል ኢና።
ኣድራሻ
Professor Eijkmanlaan 48
2035 XB Haarlem.